ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያን ከተማ ኣዲስ ኣበባን 166 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስቲ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ሞት ህቡብ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተላዓለ ግጭት ኣብ ክልል ኦሮሚያ 156 ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 10 ሰባት ብድምር 166 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኮሚሽነራት ፖሊስ ክልል ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓደ ብሄር ዝተባህሉ ዜጋታት ዝዓለመ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ: ቁፅሮም ዛጊት ዘይተፈልጠ ኢትዮጵያዊያን ብኣሰቃቒ ኩነታት ከምዝተቐትሉ ካብቲ መጥቓዕቲ ዝተረፉ ነበርቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብዚ ተግባር ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣስታት 2,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መንግስቲ ኣፍሊጡ ኣሎ።

22 ሰነ 2012 ዓ/ም ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገላን ኮንደሚኒየም ብዘይተፈልጡ ሰባት ዝተቐተለ ህቡብ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ሞት ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ኣዚዩ ኣሰቃቒ ብዝኾነ ኣገባብ ዝተፈፀመ ቅትለት፣ምጉዳል ኣካልን ወራርን ብዝለዓለ ደረጃ ንብረት ምቅፃል ምፍፃሙ ጉድኣት ዝወረዶምን መሳኻኽርን ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም ኣለው።

ስድርኦም ኣብ ቅድሚኦም ከምዝተቐተሉዎም ዝዛረቡ፣ንብረቶም ዝተቓፀሎምን ብዘይመፅለሊ ምትራፎም ዝገልፁን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ቃሎም ሂቦም ኣለው።

ኣቶ ደረጀ ኣቦ ኣብ ዞባ ኣርሲ ካብ ከተማ ኣዳማ 26 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ደራ ነባራይ እዮም።ንሶምን ድምፂ ኣሜሪካ ዘረራርቦም ካልኦትን ከምዝብልዎ ምሸት 22 ሰነ 2012 ዓ\ም ሃጫሉ ሁንዴሳ ምማቱ ምስተሰምዐ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ካብ በትሪ ክሳብ ብረት ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት መጥቓዕቲ ከምዝፈፀሙን መርሻ ደረጀ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት ውላዶም ከምዝተቐትሎምን ብሓዘን ይገልፁ።

‘’ኣደ ዘይብሉ ውላደይ ኣዕብየ ምህንድስና ትምህርቲ ኣምሂረ ኣብ 2010 ዓ\ም ተመሪቑ ስራሕ ሒዙ 21 ሰነ 2012 ዓ\ም ክሓተኒ መፂኡ ንጉሆ ስዓት ትሽዓተ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት መፂኦም ንገዛይ ወሪሮም፣ኣቃፂሎም ብድሕሪት ገዛ ክሃድም ዘውፃእኹዎ ውላደይ ካብ ናይ ሰብ ገዛ ጎሲሶም ኣውፂኦም ቀቲሎምዎ’’ኢሎም።

ንሶም እውን ፖሊስ በፂሖም ናብ ቤተ ክርስቲያን ከምዘእተውዎም ገሊፆም ኣለው። ‘’ኣሽንዃይዶ ኣነ ወለደይን ኣቦ ሓጎይን ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣብዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ እዮም’’ ኢሎም ።ኣቶ ደረጀ ሸሞንተ ኣባላት ስድራ ከምዝመርሑ ብምግላጽ ብዛዕባ ፖለቲካ ዝፈልጦ የብለይን ሓረስታይ እየ ክብሉ ብምረት ገሊፆም።

ካልእ ኣባታ ኣቶ መርእድ ኣናጋው ዝተባህሉ ነባሪ ከተማ ደራ ኣቡኡ ኣብ ቅድሚኡ ከምዝተቐተሉዎ ኣብ ልዕሊኡ እውን ጉድኣት ከምዝወረደ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕክምና ዝርከብን ናይ ዓስራይ ክፍሊ ተማሃራይ እዚ መጥቓዕቲ ዝወረደና ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኣይፈልጥን ክብል ገሊፁ።ኣብኡ ናይ ብፅሑልና ቴሌፎን ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ እንተቕረበ እውን ‘’ኣይተኣዘዝናን’’ ብዝብል ከይመፁ ብምትራፎም ሒዞም ከምዝቐተሉዎ እናነብዐ ይዛረብ።

ሓፍቶም ንኣቶ መርአድ በጃኹም ነዚ ግፍዒ እዚ ኣወግዱልና ክብላ እናነብዓ ተማሒፂነን።ካልእ ነባሪ እታ ከተማ እውን እዚ ስቕ ኢሉ ዝተፈፀመ ተራ ነገር ዘይኮነ ኮነ ተባሂሉ ዝትፈፀመ እዩ ክብል ገሊፁ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ኣርሲ ኣቶ ጀማል ኣሊዩ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከቡ 25 ወረዳታት ኣብ 6 ወረዳታት ብዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ህይወት 34 ሰባት ከምዝጠፍአ ገሊፆም።እቲ ዝተፈፀመ ካብ ዓቕሚ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ ከምዝነበረን ናይ ፀጥታ ኣባላት ሓዊሱ ከምዝተቐተሉን ኣረጋጊፆም ኣለው።

ኣቶ ጀማል ከምዝበሉዎ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስተሰምዐ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ መናእሰይ ንተቓውሞ ምውፃእ ምጅማሮም ገሊፆም።

‘’እቲ ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ ሓዘኑ ገሊፁ ክምለስ እዩ ኢልና ሓሲብና።ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክፍፀም ኣይነበሮን።ንሕና እውን ሓዚና ኢና።እቲ ህዝቢ ብዝኾነ ይኹን ንመንግስቲ ክቃውም ይኽእል እዩ፤እንተደሊዩ ብኻልእ ኣገባብ እውን ክገልፅ ይኽእል እዩ።ነቲ ህዝቢ ይውክል እዩ እንተዘይብልና እውን ገለ ፀረ ሰላም ሓይልታት ዝተፈፀመ እዩ’’ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ብፍፁም ህይወት ሰብ ክጠፍእ ኣይነበሮን ንብረት ክዓኑው ኣይነበሮን ኢሎም። ዝተፈፀመ ቕትለት ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር እዩ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ብምሕባር ከምዚ ኢሎም።

‘’ኣብዚ መጥቓዕቲ ኦሮሞ ሞይቱ እዩ፥ጉራጌ ሞይቱ፣ከምባታ ሞይቱ፤ትግራዋይ ሞይቱ ኣምሓራይ እውን ሞይቱ እዩ።እዚ ከመይ ገይርኻ እዩ ኣብ ሓደ ብሄር ተፈፂሙ ክብሃል ዝኽእል? እዚ ኮነ ተባሂሉ ናብ ሓደ ጫፍ ንምውሳን እዩ’’ ኢሎም።

ኣቶ ጀማል እዚ ህዝቢ ሓቢሩ ዝነብርን ዝተዋለድን ብማሕበራዊ ርክባት ዝተኣሳሰረን ስለዝኾነ እዚ ክፍፀም ዘይነበሮ ዘሕዝንን ዘሕፍርን እዩ ኢሎም ።

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትርን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት መጥቓዕትታት ከምዝተፈፀሙ ኣሚኖም።እቲ ተግባር ዝተፈፀመ ኣብ መንጎ ክልተ ብሄራት ፅልእን ግጭትን ብምልዕዓል ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝዓለሙ ኣካላት እዮም ክብሉ ድሕሪ እቲ ግጭት ጉጅለታት ከምዘለው ሓቢሮም ኣለው።

መንግስቲ ነዚ ብቕልጡፍ ብምርዳእ ናይ ፌደራል ፖሊስን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ናይቲ ክልል ብሓባር ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ስለዝተሰርሐ እምበር ካብዚ ንላዕሊ ጥፍኣት ክወርድ ምኽኣለ ነይሩ ክብሉ ገሊፆም ኣለው።

ምኽትል ፖሊስ ኮሚሽነር ክልል ኦሮሚያ ግርማ ገላን 145 ሰላማዊ ዜጋታትን 11 ኣባላት ፀጥታን ብድምሩ 156 ሰባት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከምዝሞቱ ገሊፆም።ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ 8 ስቪላትን 2 ኣባላት ፀጥታን ብድምር 10 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ሓቢሮም።ብመግለፂ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 166 በፂሑ ኣሎ።እቲ መቕተልቲ ብቦምብ፣ጥይት፣ብእምንን ካልኦት ነገራትን ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ተግባር ተሳቲፎም ዝተv ኣስታት 2,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መንግስቲ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብኻልእ ዜና ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተላዕለ ህውከት ኣብ ከተማታት ኣምቦ፣ነቀምት፣ግምቢን ሆሮ ጉዱሩን ኣብ ዝኣመሰሉ ከተማታትን ናይ ምዕራብ ኦሮሚያ ከባቢታትን ኣንፃራዊ ሰላም ከምዝሰፈነ ብኣንፃሩ ድማ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ቀይዲ ምእታዎም ሪፖርተርና ናኮር መልካ ገሊፁ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG