ኣብ ናይጀርያ ብምኽንያት ጸገም ቁጠባ ብዝተላዕለ ተቓውሞ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም 13 ምብጽሑ ዝገለጸ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ንሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያ ብምቕታል ተሳተፍቲ ሰለማዊ ሰልፊ ከሲሱ`ሎ።
ትማሊ ሓሙስ ኣሸሓት ናይጀርያውያን ንናህሪ ዋጋን ፖሊሲታት መንግስቲን ብምቅዋም ኣብ ጽርግያታት ዝተፈላለያ ከተማታት`ታ ሃገር ዝወጹ ክኾኑ ከለዉ፡ ፖሊስ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ሰባት ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ።እቲ ቁጽሪ ግን ዝተፈላለየ`ዩ። ፖሊስ ንሰላማውያን ሰባት ኣየጥቃዕኩን ብምባል ኣብቲ ኩነታት ዝሞቱ ኣርባዕተ ምዃኖም ይገልጽ።
መንግስቲ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሓሙሽተ ግዝኣታት ናይጀርያ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ`ሎ። መራሕቲ ሰልፊ ተቓውሞ ናይጀርያ ግን ሽሕ`ኳ ካብ ሰበ-ስልጣን መጠንቀቕታ እንተቐረቦም ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት`ውን ነቲ ሰልፊ ከም ዝቕጽልዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ ኣንጻር ዝቕባበ ባጤራኣ ትቃለስ ኣላ።ብፍላይ ድማ ፕረዚደንት ቦላ ኣሕመድ ቲናቡ ቁጠባ`ታ ሃገር ንምምሕያሽ ብዝብል ኣብ ነዳዲ ዝነበረ ድጎማ ጠጠው ድሕሪ ምባሉን ንባጤራ`ታ ሃገር ነጻ ድሕሪ ምግዳፉን።
እዚ ኣብ ናይጀርያ ዝተገብረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ ኬንያ ኣንጻር ወሰኽ ቀረጽ ብዝተላዕለ ዝሓየለ ተቓውሞ፡ ፕረሲደንት ዊልያም ሩቶ ነቲ ሕጊ ወሰኽ ግብሪ ነጺጉ ሓዲሽ ካቢነ ድሕሪ ምስያሙ`ዩ።
ቅጥዒ