ዋሽንግተን —
ማይክል ጃክሰን፣ ስቲቪ ወንደር፣ ልዮነል ሪቺ፣ ሃርይ በላፎንቴ፣ ቲና ተርነርን ካልኦትን ልዕሊ 30 ህቡባት ስነ ጥበባዊያን ቅድሚ 39 ዓመታት፣ ንሕና ዓለም ኢና (we are the world) ትብል ብኩንሲይ ጆንስ ዝተዋደደትን ብማይክል ጃክሰንን ስቲቭ ወንደር ዝተደርሰትን ነጸላ ዜማ ብምድራፍ ዓለም ናብ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሽዑ ኣጋጢሙ ዝነበረ ደርቂን ጥምየትን ንምብዳህ ዝሕግዝ ገንዘብን ትኹረትን ከምዝኣከቡ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ደርቂን ሓደጋ ጥምየትን ይረኣ'ሎ ዝብሉ ዳያስፖራ ተጋሩ ድሕሪ ኣስታት ኣርባዓ ዓመታት፣ ሎሚ’ውን ተመሳሳሊ ዓለምለኻዊ ደገፍ ንምትእኽኻብ ይሰርሑ ከምዘለው ይገልጹ።
ንሓደ ካብ ሞንጎ’ቶም ወደብቲ እቲ ምንቅስቃስ ዝኾነ ዶ/ር ኣክሊሉ ሃብቱ ኣዘራሪብዎ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ቅጥዒ