ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገምጋም ተሓታትነት ሞት ተማሃሮ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኢንዲያን ኣመሪካን


FILE - Dan Nanamkin of the Colville Nez Perce Native American tribe in Nespelem, Washington, right, drums with a procession through the Oceti Sakowin camp in Cannon Ball, North Dakota, Dec. 4, 2016.
FILE - Dan Nanamkin of the Colville Nez Perce Native American tribe in Nespelem, Washington, right, drums with a procession through the Oceti Sakowin camp in Cannon Ball, North Dakota, Dec. 4, 2016.

ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ምስ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስቱሪን ዋሕዚ ስደተኛታት እናዓበይ ምኻድ ተኸታታሊ ለበዳታት ኮሌራ፣ታይፎይድን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ክልዓል ጀሚሩ። ንኣሜሪካዊያን ግን ልዕሊ ናይ ሳንባ ነቀርሳ ዘፍርሐ ኣይነበረን።እዚ ሕማም ንሳንባ፣ንጎሮሮን መዓናጡን ከጥቅዕ ይኽእል።ኣብ 1940ታት ኣብ ኣሜሪካ መድሓኒት ቅድሚ ምስርሑ ቅድሚት ዝስራዕ ምኽኒያት ሞት ነይሩ።

ኣብ 1891 ኣ/ፈ ኮንግረስ ደቀባት ህንዳዊያን ቆልዑ ብግዲ ኣብ ናይ ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ /boarding School/ ክምሃሩ ምስ እዚ ዘይተሓባበሩ ወለዲ ድማ በብእዋኑ ይወሃቦም ዝነበረ ራሽንን ካልኦት ረብሓታትን ክኽልክሎም ንኮሚሽነር ጉዳያት ህንዳዊያን ኣዚዙ።

ኣብ ብሪቲሽ ኮሞምቢያ ቲከምላፕስ ተ ሰክዌፐሚክ ኔሽን ኣብ ግንቦት ከምዝሓበሮ ንመሬት ሰንጢቑ ዝኣቲ ራዳር ተጢቒሞም ኣብ መንበሪ ቤት ትምህርቲ ንናይ 200 ተምሃሮ ኣዕፅምቲ ምርመራ ብምክያድ ንህዝቢ ዘሰንበደ ዜና ዕላዊ ገይሮም።እዚ ኣብ ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረ ምስዋርን ሞተን ተምሃሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ድምፆም የስምዑ ንዝነበሩ ሓዱሽ ኣይነበረን።

እዚ ምንስተር ውሽጢ ሃገር ኣሜሪካ ዝኾና ደብ ሃላንድ ኣብ ኣሜሪካዕፃ ተምሃሮ ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ እንታይ ከምዝነበረ ሃገራዊ ምርመራ ክካይድ ኣገዲዱወን።እቲ ውፅኢት ኣብ ሚያዚያ 2022 ኣ/ፈ ዕላዊ ክኸውን እዩ።

ክኢላ ታሪኽ ዝኾነ ፍራንክ ቪታለ ‘’ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ብፌደራል መንግስቲ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ናይ ሃይማኖት ትካላት ይመሓደሩ ነይሮም።ክሳብ 1960ታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ዝተፈላለዩ ግዚያትን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ይካይዱ ነይሮም’’ይብል።

ቪታለ ናይዞም ተምሃሮ ኣሰር ምፍላጥ ኣገዳሲ ስራሕ እንተኾነ እውን ተሓተቲ ኣብ ምቕማጥ ሕቶታት ይልዓሉ እዮም ይብል።

‘’ኣብ መበል 19ን 20ን ክፍለ ዘመናት ደቀባት ኣሜሪካዊያን እንታይ ከም ዘጋጠሞም ስታቲስቲክ እንታይ ይነግረና?’’ ኢሉ ይሓትት።’’ብሰንኪ ዓባይ ስዓል ዘሕለፉዎ ስቓይን ሞትን ብዝዓበይ ደረጃ ምስ ናይ ኣሜሪካ ስርዓት ኢምፔራሊዝም ከመይ ይራኸብ?’’ ክብል ይሓትት ቪታለ።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:23 0:00


XS
SM
MD
LG