ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፑንትላንድ ሞት ዝተፈርዶ ኢትዮጵያዊ ንምድሓን ዝተጀመረ ፃዕሪ መዕለቢ ኣይረኸበን


ካብ ኣፍ ሞት ክድሕን ከምዝተገብረ'ውን ተገሊፁ

ሰብ ቀቲልካ ተባሂሉ ኣብ ፑንትላንድ ተኣሲሩ ዘሎ ኢትዮዽያዊ ኣስመሮም ሃይለስላሴ፣ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ ዝተኣሰረሉ ቦታ ኣውፂኦም ንክቀትልዎ ናይ ሓደ ሰዓት ጊዜ ኣብ ዝተረፈሉ ጊዜ ምድሓን ከምዝተካኣለ ቆንፅላዊ ቤት ፅሕፈት ኢትዮዽያ ኣብ ፑንትላንድ ገሊፁ።

ቆንፅል ጀነራል ኣስመላሽ ወ/ሰንበት ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣እቲ ሓበሬታ ምስ በፅሖም ብህፁፅ ናብ‘ቲ ከባቢ ብምብጋስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት‘ቲ ዓርሰ ምምሕዳር ተዘራሪቦም እቲ ስጉምቲ ከምዝተኾልፈ ጠቂሶም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ምፍታሕ እሱር ኣስመሮም ሃይለስላሴ ምጉታት ኣጋጢሙ ዘሎ፣ምስ ስድራ-ቤታት መዋታይን ባዓልቲ-ቤቱን ተራኺብካ ንምዝርራብ ስለዘይተካኣለ ምኻኑ እቶም ቆንፅል ጀነራል ይዛረቡ።

እሱር ኣስመሮም ሃይለስላሴ፣ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ ቅርሺ (ዋጋ ሚእቲ ኣግማል) ተኸፊሉ ንክወፅእ ናብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐን፣እቲ ገንዘብ ካብ ድምፃዊ ቴድሮስ መኮንን (ቴዲ ኣፍሮ) ከምዝተረኽበን ሓፍቲ ኣስመሮም ወ/ሮ ፍረወይኒ ገሊፃ።

Recommended

XS
SM
MD
LG