ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፑንትላንድ ሞት ዝተበየኖ ኣስመሮም ሃ/ስላሰ ናፃ ወፂኡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ

  • በትረ ስልጣን

ኣስመሮም ሃ/ስላሰ ምስ ሓፍቱ (መቐለ)

ንኩሎም ዝሓገዙን ድምፆም ዘቃልሑን ዕዙዝ ምስጋና ኣቅሪቡ

ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመትን ፈረቃን፣ሕላፍ ፍርቂ ለይቲ ናብ መንበሪኡ መፂኦም ዘረፋ ንክፍፅሙ ካብ ሞንጎ ዝፈተኑ ነቲ ሓደ ቀቲልካ ተባሂሉ ብቤት ፍርዲ ፑንትላንድ ተደጋጋሚ ናይ ሞት መቅፃዕቲ ዝተበየኖ ኢትዮዽያዊ ኣስመሮም ሃይለስላሴ ተፈቲሑ ምስ ቤተ-ሰቡ ተራኺቡ‘ሎ። ኣስመሮም፣ኣርባዕተ ጊዜ ምስ ሞት ተፋጢጡ ከምዘምለጠ‘ውን ንቪኦኤ ገሊፁ።

ስድራ ቤት መዋታይ፣ንሬሳ ኣስመሮም ይፅበዩ ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓት፣ሃንደበት ናብ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ኤምባሲ ኢትዮዽያ ኣብ ፑንትላንድ ሳላ ዝገበራ ፃውዒት ቴሌፎን፣ፅላሎት ሞት ክቅንጠጥ ከምዝካኣለ‘ውን ኣስመሮም ይዛረብ።

ኮኸብ ድምፃዊ ቴዲ ኣፍሮ ልዕሊ ሸውዓተ ሚእቲ ሽሕ ቅርሺ ጋር ነብሲ ከፊሉ ንክድሕን ንዝገበረሉ ፅቡቅ ነገር‘ውን ልዑል ምስጋና ኣቅሪቡ‘ሎ ኣቶ ኣስመሮም።

ንሙሉእ ቃለ-ምልልስ ምስ ኣስመሮም ሃ/ስላሰ ክተዳምፁ ኣብ የማናይ ኢድ ላዕሊ ንዘሎ ምልክት ናይ ድምፂ ጠውቁ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣሞ! ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ዝተኻየደ ለውጢ መሪሕነት

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG