ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሌላ ናይ ባዕሉ ነፋሪት ምስ ዝሰርሐ ኢትዮጵያዊ ኣስመላሽ ዘፈሩ ( 1ይ ኽፋል)


ኣስመላሽ ዘፈሩ ነፋሪቱ እናሰርሐ
ኣስመላሽ ዘፈሩ ነፋሪቱ እናሰርሐ

ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ ኣስመላሽ ዘፈሩ ብሙያ ሰራሕተኛ ጥዕና እዩ።ንሱ ካብ ቆልዕነት ዕድሚኡ ፓይለት ናይ ምዃን ሕልሚ ከምዝነበሮ ይገልፅ።ብዝለዓለ ነጥቢ ናብ ዩኒቨርስቲ ዝሓለፈ ኣስመላሽ ፓይሌት ንምዃን ብዝነበሮ ድልየት ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክቑፀር ኣመልኪቱ።

ቅድሚ ኩሉ ዝነበረ ረቛሒ ዝድለ ቁመት ምምላእ ነይሩ።ካብ 1.70 ሜትሮ ንላዕሊ ክኸውን ነይሩዎ።ኣስመላሽ ግን 1.69 ሜትሮ ኮይኑ።ስኣን ሓንቲ ሰንቲሜትሮ ወዲቑ።

‘’ፈርንጂ ዝሰርሖ ኣውሮፕላን ከየብርር ትኽእልክለኒ ትኽእል፤ናይ ባዕለይ ነፋሪት ሰሪሐ ግን ከብርር እየ ኢለ ነቲ ይፍትን ዝነበረ ሰብ ተዛሪበ ወፂአ’’ ይብል ኣስመላሽ።መፃሕቲ ብምንባብን ዩቱብ ብምርኣይን ንዓርሱ ዘሰልጠነ ኣስመላሽ ነታ ነፋሪት ሰሪሑ ንምውዳእ 570 ማዕልትታ ከምዝወሰደሉ ይገልፅ።ዝርዝሩ ይስምዑ።

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣስመላሽ ዘፈሩ (1ይ ኽፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:00 0:00

XS
SM
MD
LG