ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ጀርመናዊ ማሕበር ብምትሕብባር ዝተሰርሐ መወከሲ ሆስፒታል ኣብ ኣስመራ ተመሪቑ


Asmara Referal Hospital

እቲ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል እዝኒ ኣፍንጫን ጎሮሮን፡ ብምትሕብባር ምንስትሪ ጥዕናን መዲከር ዝተባህለ ጀርመናዊ ማሕበርን ዝተሰርሐ`ዩ

ኣብ መኽፈቲ`ቲ ምረቓ ቃል ዘስምዑ ሓላፊ መወከሲ ሆስፒታላት ዶ/ር ሃብተኣብ መሓሪ፡ ምህናጽ ናይዚ ሆስፒታል መርኣያ ናይቲ ጥዕና ዜጋታት ናይ ምሕላው ዝግበር ዘሎ ዕቱብ ጻዕርን ወፍርን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ብምሉእ ዘመናዊ ዕጥቂ ዝብገስ ዘሎ ሆስፒታል፡ ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ዝህልዎ ኣበርክቶ ዓቢይ`ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ኣቦ-መንበር መዲከር ፕሮፈሶር አቨርሃርት ስተይነር ብወግኖም፡ እዚ ተሰሪሑ ዘሎ ሆስፒታል፡ ብብቕዓቱ ሓደ ካብ`ቶም ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ዝስርዑ ተመሳሰልቲ ሆስፒታል ከምዝኾነ ጠቒሶም።

ሰናይት ሃብቱ ንዝለኣኸቶ ምሉእ ጸብጻብ ተኸታተሉ

XS
SM
MD
LG