ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ቒሔ-ፅልሚ


መደብ ቒሔ-ፅልሚ፡ ንዕብየት ባህሊ ትግራይ ኣበርክቶ ዝገበረ ከያኒ ኣታኽልቲ ሃይለሚካኤል ስድርኡ መሓዙቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተገይርሉ፣ ኣብ ኣስመራ ማይ ጃሕጃሕ ፊት ህዝባዊ ቤት ንባብ ኣስመራ ዝርከብ ሓወልቲ ፑሽኪን ትኹረት በፃሕቲ ይስሕብ’ሎ ዝብልን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝቐረበት ናይ ኣምሓርኛ ድራማ “ገመና” ዝተዋሰአ ኪሮስ ሃይለ-ስላሴን ሒዙ’ሎ።

ኣታኽልቲ ሃይለሚኪኤል ሓደ ኣብቶም ትግራይ ዘፍረየቶም ስሙይ ተፃዋቲ ባህላዊ ደርፊ እዩ። ኣታኽልቲ ብሂወት እናሃለወ 7 ካሴታት ኣሐቲሙ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ። ነታ ሎሚ ተሓቲማ ዘላ ሓዊስካ 8 ካሴታት ኣበርኪቱ ኣሎ ማለት እዩ።

ነዚ ፍትው ከያኒ እዚ ንምዝካር 23 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ እዩ። እቲ መድረኽ ብምትሕብባር ስድርኡ ዝተኻየደ ኮይኑ ፈተውቱን ሰብ ሞያ መሓዙቱን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም እዮም። ኣብቲ ዝኽሪ ዝተረኸቡ ከየንቲ ዝተፈላለየ ርኢቶ ሂቦም።

ድምጻዊ ብርሃነ ገብረመስቀል “ኣታኽልቲ ኣበየናይ ሞያዊ ብርኪ ከምዘሎ ፈሊጡ ሞያኡ ምእንታን ከማዕብሎ ብሂወቱ እንተሎ ክነድንቖ ይግባእ ነይሩ። ተጋሩ ሞያተኛ ንምንኣድ ኣይተዓደልናን” ብምባል ብመረረት ርኢትኡ ሂቡ።

ንነዊሕ ዓማውቲ ሞያዊ መሓዝኡ ዝነበረ ከያኒ ኣማረ ኣሰፋ ”ኣታኽልቲ ፍቕሪ ሞይኡ ዝነበሮ ካብ ስርሑ ዘይፍለ ስጡም ሰብ እዩ ነይሩ’’ ይብል።

ሙዚቃዊ ስራሕቲ ነፍሲሄር ኣታኽልቲ ፅሬቱ ብዝሓለወ መልክዑ ብሲዲን ካሴትን ተሓቲሞም ናብ መሸጣ ከምዝቐረቡ ድማ ንእሽተይ ሓዉ ሲሳይ ሃይለሚካኤል ገሊጹ።

ኣታኽልቲ ወዲ 42 ዓመት እዩ ውላድ ከምዘይብሉ ድማ ካብ ስድራኡ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

XS
SM
MD
LG