ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፤ ምትእስሳር ዕንባባታትን ኣትክልቲን ምስ ኣቶ ዮሴፍ (ባሻይ)


ኤርትራ፤ ምትእስሳር ዕንባባታትን ኣትክልቲን ምስ ኣቶ ዮሴፍ (ባሻይ)
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:58 0:00

ምትእስሳር ዕንባባታትን ኣትክልቲን ምስ ኣቶ ዮሴፍ (ባሻይ)

ኣቶ ዮሴፍ ነጋሽ (ባሻይ) ኣብ ኣስመራ ፓራዲዞ ዝነብር ኣብ ናይ ዕንባባን ልምዓት ኣትኽልትን ዝነጥፍ ወዲ 64 ዓመት ኣትኽልተኛ(ጀርዲናረ) እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መዘናግዒ፡ መናፈሻ፡ ኣብያተ እምነትን ቀጽሪ መንበሪ ቤትን ብዝተፈላለዩ ዲዛይናት ብዕንባባታት ብምምልኻዕ፡ ሰሓቢን ተበሃግን ትርኢት ከም ዝህልዎ ኣብ ምግባርን ምጽብባቕን ከኣ ይነጥፍ።

ኣብዚ ሞያ ንልዕሊ 30 ዓመት ከም ዝሰርሐ ዝገለጸ ኣቶ ዮሴፍ፡ ስራሕ ጀርዲን ካብ ስድራ-ቤቱ ዝወረሶ እንተኾነ’ኳ፡ ነቲ ናይ ዕንባባ ስራሕ ግን ምስ ግዜ ባዕሉ ከም ዘማዕበሎ ይዛረብ።ኣብ ዝኾነ ዕዮ ድሌት ወሳኒ ከም ዝኮነ ዝገልጽ ዮሴፍ፡ ነቲ ናይ ዕንበባን ኣትኽልቲ ናይ ምፍላስ፡ ምብዛሕን ድኹዒን ሓመድን ናይ ምቅማምን ንጥፈታት ኣብ ቀጽሪ መንበሪ ቤቱ የካይድ። ነቲ ሓመድ ካብ ዲጋታት ከም ዘምጽኦን ምስ ናይ ኣጣልን ኣባጊዕን ቀልቀል ብምድብላቕ ከም ዝሀብትሞ ዝሓበረ ዮሴፍ፡ ዘገልገሉ ናይ ቀለም፡ ሳልሳን ካልእን ታኒካታት፡ መለሊኽ፡ ናይ ዘይቲ ጎማታትን ንመትኸሊን መፍለስን መባዝሕን ከም ዝጥቀም ኣረዲኡ።ናይ ማይ ጸገም ንምፍታሕ ከኣ ባስካ ብምድላው ውሕሉል ብዝኾነ ኣገባብ ኣሰታትያ ነቲ ኣትኽልቲ ከም ዘስትዮ ሓቢሩ።

ዛጊት ልዕሊ 70 ዓይነት ንቀጸሪ፡ መንበሪ ቤት፡ ንጎደናን ንትካላትን መጸባበቒ ዝኾኑ ኣትኽልቲ ከም ዘለዎን ነቲ ዘይብሉ ከኣ ብጠለብ ዓማዊል ካብ ካልእ ቦታ ገዚኡ ከም ዘምጽእን ዝገልጽ ዮሴፍ፡ ኣብቲ ዕዮ ተራ ኣባላት ስድራ-ቤቱ ልዑል ከም ዝኮነ ይዛረብ።

ምስ ኩነታት ጠለብ ናይ ስራሕ፡ መዓልታዊ ሸቃሎ ቆጺሩ ከም ዘስርሕ ኣቶ ዮሴፍ ወሲኹ ገሊጹ።

ካልእ ስራሕ ከም ዘይብሉን በዚ ናይ ኣትኽልቲ ስራሕ መነባብሮኡ ከም ዝመርሕን ዝገልጽ ኣቶ ዮሴፍ፡ ነቲ ስራሕ ንገንዘብ ጥራይ ዘይኮነስ ንዕግበቱ ኢሉ’ውን ከም ዝሰርሖን ብምምልካት፡ ብርክት ዝበሉ ንመጽለሊ ዝኾኑ ኣግራብን ዓመት ሙሉእ ዘይረግፉን ግርማ ዝህቡን ዕንባባታትን ንዝተፈላለዩ ናይ እምነት ቦታታት ብነጻ ብምሃብን ባዕሉ ብጉልበቱን ወጻኢታቱን ከምዘምላኽዐን፡ ኣብ ሆቴል ማይ ነፍሒ፡ ሚኒስትሪ ዜናን ካልእን ዓበይቲ ስርሓት ከም ዝሰርሐን ካብ ዝተዓዘብዎ ሰባት ዝተባብዕ ግብረ መልሲ ከም ዝረኸበን ኣብሪሁ።

ኣቶ ዮሴፍ ብዘይካ’ዚ ናይ ኣትኽልቲ ንጥፈታት ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ባህላዊን ካልእን ኣቑሑን ኣብ ምዕቃብ’ውን ይነጥፍ’ዩ። ነቶም ኣብ ዘቤታዊ መነባብሮ ሕብረተሰብ ዝግልገሉሎም ጥንታዊያን ኣቑሑ ካብ ገጠራትን ካልእን ብምእካብ ከይበላሾ ብጥንቃቐን ብክንኽንን’ዩ ይሕዞ።

“ሕማቕ ኣቕሓ የለን ሕማቕ ዋና’ምበር” ዝበል መረዳእታ ዘለዎ ኣቶ ዮሴፍ፡ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ዝኾነ ነገር ኣብ ጥቅሚ ኣብ ምውዓል ፍሉይ ተገዳስነት ኣለዎ። ከም መርኣያ ናይ’ዚ ተገዳስነቶም ከኣ፡ ዘገለገሉ ናይ መኪና ጎማታትን ፊስቶን ብዝተፈላለዩ ዲዛይናት ብምምልኻዕ፡ ሰሓብን ምችኡን ብምግባር፡ ከም ኮፍ መበሊ(ሳሎን) ከም ዝውዕል ገይሩ። ነቲ ናይ ማኪና ጎማን ዝኣረጉ ሳእንታትን ሕብሪ ብምልካይ ከም ባዞ ናይ ተኽሊ ብምልዋጥ ዳግማይ ኣብ ካልእ መዓላ ብምውዓል ኣብ መመላኽዒ ቤት ተጠቂሙሉ።

“ዕንባባታትን ኣትኽልትን፡ ፍሉይ ባህታ ዝህቡን ዕድመ ዘንውሑን ጥዕና ዝህቡን እዮም፡” ዝበለ ኣቶ ዮሴፍ ኣብቲ ብባህላዊ ኣቕሑ ዝመልክዐን ኣብቲ ብጎማን ፊስቶን ዝተዳለዉ መናብርን ዝማዕረገ መናፍሲ ቦታታት ምስ ስድራ-ቤቶም ከም ዝምገብ፡ ቡን ከም ዝሰትዩን ከም ዝዘናግዑን ኣጋይሾም ከም ዝቕበሉን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብዚ ቦታ ዝተፈላለዩ ደረፍቲ ክሊፕ ከም ዝሰርሑን መርዓውቲ’ውን ክሰኣሉ ከም ዝመጽኡን ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG