ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስመራ - ፈላማይ ሓባራዊ ኣይሮቢክስ ተኻይዱ


ኣስመራ - ፈላማይ ሓባራዊ ኣይሮቢክስ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:39 0:00

ኣስመራ - ፈላማይ ሓባራዊ ኣይሮቢክስ ተኻይዱ

ብምኽንያት 27 መስከረም ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ቱሪዝም፡ ብሚኒስትሪ ቱሪዝምን ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም ኤርትራን ዝተወደበ ሓባራዊ ኣይሮቢክስ፡ ሰንበት 22 መስከረም ንግሆ ኣብ ኣስመራ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተኻይዱ።

ኣብዚ “ቱሪዝምን ሰላምን” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ሓባራዊ ኣይሮቢክስ፡ ኣብ ኣስመራ ካብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ መግብን መስተን ካልእ ቱሪዝማዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዝመጽኡ ሰራሕተኛታትን ወነንትን ካልኦት ግዱሳትን ተሳቲፎም።

እዚ ንፈለማ እዋን ዝተወደበ ሓባራዊ ኣይሮቢክስ ቀንዱ ዕላማኡ ናይ ምንቅስቓስ ኣካላት ባህሊ ንምስራጽ ከም ዝኾነ ኣቦ መንበር ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም ኣቶ ሰለሞን ግርማይ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG