ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኤርትራ 2024 ተኻዪዱ


 ሃገራዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኤርትራ 2024 ተኻዪዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:26 0:00

ሃገራዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኤርትራ 2024 ተኻዪዱ

ሃገራዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኤርትራ 2024፡ ሰንበት 20 ጥቅምቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ከተማ ደቀምሓረ ተኻይዱ።

ኣብዚ 21 ኪ/ሜ ዝሸፈነ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ኣትለት ዞባ ደቡብ ኣፈወርቂ ብርሃነ ንውድድሩ ብ01’ 04” 03 ብምዝዛም ተዓዊቱ። ዑቕባይ ጸጋይን ደበሳይ ደሳለን ካብ ጋንታ ደንደን ብሓደ ደቒቕን 3 ካልኢትን ድሒሮም ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም።

ኣብ ተመሳሳሊ ርሕቐት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ድማ፡ ኣትለት ዘቢብ ወልደሚካኤል ካብ ጋንታ ማእከል ብ 01’ 14” 39 ቐዳመይቲ፡ ራሄል ዳንኤል ካብ ጋንታ ማእከል ካልኣይቲ፡ ርግበ ሃብተስላሰ ካብ ጋንታ ደቡብ ሳልሳይቲ ደርጃ ብምሓዝ ተዓዊተን።

ብሓፈሻዊ ውህሉል ነጥቢ ናይ ጋንታ ከኣ፡ ብደቂ ተባዕትዮ ጋንታ ደንደን ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ጋንት ማእከል ተዓዊተን።

ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፓራኦሎምፒክ ናይ 5 ኪ/ሜ ናይ ዊልቸር ውድድር ድማ፡ ምኩር ተቐዳዳማይ ስብሃቱ ከሰተ ቐዳማይ፡ ቴድሮስ ኣረጋይ ካልኣይ፡ ተስፋሂወት ተኽለ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም።

ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተዓወቱ ኣትለታት ናይ ወርቂ፡ ብሩር፡ ነሓስ መዳልያን ገንዘባዊ ሽልማትን ክወሃቡ ከለዉ፡ ካብ ራብዓይ ክሳብ ሻድሻይ ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዝዛዘሙ ኣትለታት ከኣ ገንዘባዊ ሽልማት ተዋሂቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG