ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ኣመሪካ -- ኤስያውያን-ኣመሪካውያን ንምብጻሕ ዝካየድ ስራሓት


ምርጫ ኣመሪካ -- ኤስያውያን-ኣመሪካውያን ንምብጻሕ ዝካየድ ስራሓት
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:07 0:00

ምርጫ ኣመሪካ -- ኤስያውያን-ኣመሪካውያን ንምብጻሕ ዝካየድ ስራሓት

ኣብ መንጎ ሕጹያት ተወዳደርቲ ምርጫ ኣመሪካ 2024 ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕን ድምጺ ኤስያውያን ኣመሪካውያን ዓቢ ለውጢ ክገብር ከም ዝኽእል ይእመን። ብመሰረት ማእከል መጽናዕቲ ፒው፡ ካብ ናይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝነበረ ምርጫ፡ ቁጽሪ ኤስያውያን ኣመሪካውያን ብክልተ ሚልዮን ወሲዅ ኣሎ።

ማእከል መጽናዕቲ ፒው ከም ዝገልጾ፡ ኤስያ ዝመበቆሎም ኣመሪካውያን ቍጽሮም እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ክርስቲን ቸን፡ ኣብ “ድምጺ ኤስያዊ ፓሲፊክ ኣይላንደር” ዝብሃል ትካል ፈጻሚት ዳይረክተር’ያ።

“ህንዳያውንን ጃፓናውያንን ዝመበቆሎም ኣመሪካውያን ቀንዲ ደገፍቲ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ክዀኑ እንከለዉ፡ ቬትናም ዝመበቆሎም ድማ ደገፍቲ ርፓብሊካውያን’ዮም። ሕጂ ድማ ቻይናውያን ኣመሪካውያን ካብ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ናብ ናጻ ይሰግሩ ኣለዉ። ከም ኣረኣእያይ ግን ናብዞም ኤስያ ዝመበቆሎም ኣመሪካውያን ዝቐንዐ እኹል ጎስጓስን ኣፍልጦኦም ንምዕባይ ዝግበር ስራሕን የሎን።”

ኣብ ደቡብ ኮርያ ተወሊዳ ኣብ ጃፓን ዝዓበየት ሚቸል ስቲል፡ ንሰልፊ ርፓብሊካውያን ወኪላ’ያ ኣብ ወረዳ ኦራንጅ ናይ ካሊፎርኒያ ተመሪጻ።

ኣብቲ ንሳ እትውክሎ ወረዳ ሓያሎ ቪትናም ዝመበቆሎም ኣመሪካውያን ስለ ዘለዉ፡ ኣብቲ ናታ መርበብ ሓበሬታ’ውን ብቛንቋ ቬትናም ዝተጻሕፈ መሐበሪ ኣሎ። ኣብቲ ወረዳ ድማ ካብቶም ዝበዝሑ ቬትናማውያን-ኣመሪካውያን ይነብሩ።

“ናብ ነፍሲ-ወከፍ ኮሚኒቲ ክኸይድ እንከለኹ፡ ምስኣቶም ዝኸይድ ኣገባብ ክትጥቀም ኣድላዪ’ዩ። ንኣብነት ናብ ቬትናማውያን ኣመሪካውያን ኣብ ዝኸደሉ ናይ ቬትናም ባህላዊ ክዳን ይኸደን። ናብ ፊሊፒኖ ኣብ ዝበጽሓሉ ድማ ሳሪ እኽደን። ከምኡ ምስ እትገብር ድማ ኣካሎም ገይሮም’ዮም ይወስዱኻ።”

ስቲል ከም እትገልጾ፡ ካልኣይ እዋን ኣብ ዝነበረ ጎስጓስ ምርጫ ኣካል’ቲ ወፍሪ ዝዀኑ ናብ 190-ሽሕ ኣባይቲ በጺሖም’ዮም። ስለምንታይ ንኤስያውያን ኣመሪካውያን ብፍሉይ ዓሊምካ ምብጻሖም ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ሚቸል ስቲል ትምጉት። ኣብቲ ናታ ወረዳ በበይኑ ቋንቋታት ዝዛረቡ እኳ እንተዀኑ፡ ሓደ ዝጠምሮም ነገር ከም ዘሎ ትኣምን።

ኣብ መንጎ ኤስያውያን ኣመሪካውያን ኣድመጽቲ ገዛ-ገዛ ኬድካ ምጕስጓስ ዝያዳ ኣድማዒ ምዃኑ’ያ ዋና ዳይሬክተር ክሪስቲን ቸን ትገልጽ። ንሱ ድማ ኣብ 2020 ኣብ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ 70% ካብኣቶም ድምጾም ብደብዳብ ከም ዝህቡ ክትሕብር እንከላ፡ ካብቶም ቀዲሞም ዘድምጹ ምዃኖም’ውን ትነግር።

ከም ኣገላልጻ ክሪስቲን ቸን፡ ኣብዞም ናይ ስደተኛታት ኮሚኒቲ ብደብዳበ ድምጺ ምስዳድ ዝምረጸሉ ሓደ ምኽንያት ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ገዛኦም ኰይኖም፡ ምስ ስድራቤቶም እናተዛራረቡን ናይ ቋንቋ ጸገማት እንተልዩ ድማ እናሓተቱ ምስ መቕርቦም ክገብሩዎ ስለ ዝኽእሉን’ዩ። እዚ ዓይነት ኣገባብ ምርጫ ካብቲ ብኣካል ዝገበር ጭንቀት ዝውስኽ ዝተመረጸ’ዩ ድማ ትብል።

ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያን፡ ብመወዳድርቶም ሪፓብሊካውያን፡ ብሕልፊ ንኤስያውያን ኣመሪካውያን ዝግበር ዘሎ ኣቓልቦ ዝተሻቐሉ ኣለዉ። ንሰልፊ ደሞክራሲውያን ወኪላ ኣብ ወረዳ ኲንስ ኒውዮርክ ዝተመርጸት ግሬስ መንግ ሓንቲ ካብኣቶም’ያ።

"ከም ዝርድኣኒ ብወገን ርፓብሊካውያን ቅልጡፍ ምዕባለታት ይርአ ኣሎ። ገለ ካብቶም ተወዳደርቶም ነቲ ናይ ቋንቋ ብዙሕነት ይጥቀምሉ ኣለዉ። ንሕና ድማ ከምኡ ዘይንገብረሉ ምኽንያት የሎን። ንኣድመጽቲ ብዝጥዕሞም ቋንቋን ኣብ ቦታኦምን ክነጽሖም ኣድላዪ’ዩ። ንሱ ምስ እንገብር ኢና ድማ ንሓቀኛ መትከላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያን እንውክል።”

ኣብ ኲንስ ናይ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኮሚኒቲ፡ ሳንድራ ኮይ ዳይረክተር ህዝባዊ ተሳታፍነት’ያ።

“ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንተሳትፎን ተበግሶን ኤስያውያን ኣመሪካውያን ንምዕባይ ንሰርሕ ኣሎና። ካብ መንጎኡ ድማ ብዝያዳ ኣብ መንጎ ኤስያውያን ኣመሪካውያን ኣድመጽቲ ኣተኲርና ምስራሕ’ዩ። ነቶም ስደተኛታት ኮሚኒቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ሓይሊ ንኽፈልጡ ኢና ንሰርሕ ዘሎና።”

ትካል መጽናዕቲ ፒው ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣመሪካ፡ ኣስታት 15 ሚልዮን ኤስያውያን ኣመሪካውያን ከድምጹ ከም እኽእሉ የመልክት። ልዕሊ ፍርቂ ካብዚ ቍጽሪ ኣብ ክፍለ-ሃገራት ካሊፎርኒያ፡ ኒውዮርክ፡ ቴክሳስ፡ ሃዋይን ኒውጀርሲን ዝርከቡ’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG