ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብድሙቕ ስነ ስርዓት ይኽበር‘ሎ


ኣብ መቐለ እንዳ ምኪኤል ዝርከቡ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ “ኣሸንዳ ዓመታዊ ነሓሰ 16 ዝኽበር ባዓል ምዃኑ ሃይማኖታዊ ሰረት ከምዘለዎ የረጋግፀልና ኢሎም።

ነሓሰ 16 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ምድራዊ ዓለም ናብ ሰማያዊ ዓለም ዝዓረገትሉ ማዓልቲ እዩ። ክትዓርግ እንተላ መላእኽቲ፣ነብያት፣ሃዋርያት፣ ፃድቃን፣ሰማእታት፣ደናግል ቅዱሳት ኣንስቲ ብየማንን ፀጋምን ብቕድሚትን ድሕሪትን ዓጅቦም ከምዘዕረጉዋ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ይነግረና” ብምባል ይገልፁ።
ብፍላይ ድማ ደናግል ቅዱሳን ኣዋልድ መመክሒትና መሐበኒትና ናዓኺ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ይመስገን እናበላ ይዝምራ ይብሉ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ።

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብሕልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ 16 ነሓሰ ክሻብ 21 ነሓሰ ብፉሉይ ድምቀት ይኽበር።

XS
SM
MD
LG