ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማዊት ወ/ሮ ዝተሳተፋሉ በዓል ኣሸንዳ ኣብ መቐለ ተዛዚሙ


ቆልዑ ኣሸንዳ
ቆልዑ ኣሸንዳ

በዓል ኣሸንዳ ሎሚ ምሸት ኣብ መቐለ ኣብ ዝተካየደ ኣኼባ ብመደረ ምክትል ፕረዚደንት’ቲ ክልል ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ተዓጽዩ።

ቀዳማዊት ወ/ሮን ባዓልቲ ቤት ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ዝኾና ወ/ሮ ዝናሽ ታያቸው ኣብ ዝተረኸባሉ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዑ ዶ/ር ደብረጽየን ‘ንህዝብናን ቆልዑ ኣሸንዳን ኣኽቢርኪን ስለዝመጻኽን ንሕና’ውን ኣኽብሮትና ክንገልጸልክን ንፈቱ፣ ካልኦት’ውን ከምኡ ንህዝብና ምኽባር ይልመዱ’ ኢሎም።

ንሶም ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ኣመልኪቶም ክዛረቡ ከለው ‘ንሕሉፍ ታሪኽ ዓጺና፣ ወይ ክጸንሕ ገይርና፣ ሒሳብ ምውርራድ ገዲፍና፣ እንተደሊና’ውን ንካልእ ጊዜ ኣጽኒሕና፣ ንሓድሽ ምዕራፍ ሰላም ክነሳልጦ ኣለና። ነዚ ንምዕዋት ኩሉ ዝካኣል ክንገብር ምኳና ደጊምና ክነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ምስ ሓውና ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ሓድሽ ዘመን ምዕባለን ራህዋን ክነስፍን ክንረባረብ ኢና። ዕውት ከምዝኸውን እውን ተስፋይ ልዑል’ዩ’ ኢሎም።

ምክትል ፕረዚደንት’ቲ ክልል ዶ/ር ደብረጽየን ኣብ ዘረበኦም ‘ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይን ወጻእን ዘሎ ዓቅምታት ኣተሓባቢርና ድሕነትና ንምሕላውን ውሑስ ንምግባርን ጥራሕ ዘይኮነ ሂወትን ናብራን ህዝቢ ክነማሓይሽ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ርኡይ ለውጢ ኣብ ትግራይ ክነምጽእ ብስሉጥ ኣብ ንረባረበሉ ናይ ስግግር እዋን ንርከብ’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG