ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅንያት በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይኽበር’ሎ


Girls Celebrate Ashenda Tradition
Girls Celebrate Ashenda Tradition

ኣብ ቅንያት ኣሸንዳ ኣዋልድ ናፅነተን ዝእውጃሉን ካብ ወጋሕታ ክሳብ ፀሓይ ዓራርቦ ዝፃወታሉን ዝሕምብጣሉን በዓል’ዩ

ዓመታዊ ነሓሰ 16 ኣዋልድ ትግራይ ዘኽብረኦ በዓል ኣሸንዳ ሃይማኖታዊ መሰረት ኣለዎ፡፡ ኣብ ከተማ መቐለ እንዳ ሚኪኤል ዝነበሩ ሊቀ ሊቃውንቲ ያሬድ ካሳ ብዛዕባ እዚ ይገልፁ፡፡ “ነሓሰ 16 ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ሰማያዊ መንግስቲ ዝዓረገትሉ ዕለት’ዩ፡፡ ምስ ሞተት ኣብ ሳልሳይ ማዓልቲ ከም ወዳ ናብ ሰማይ ዓሪጋ’ያ፡፡ ሻቡ ፃድቃን፣ ሰማእታት፣ ነብያት፣ ሃወርያት፣ ደናግል ቅዱሳን ኣንስቲ ብዕልልታን ዝማሬን ዓጂቦም ሰንዮምዋ፡፡ በዚ ድማ ኣዋልድ ይመከሓላን ይሕበናላን፡፡ ነዚ ንምዝካር ድማ ዓመታዊ ኣሸንዳ ይብላ” ኢሎም፡፡

እቲ ኣሸንዳ ዝብል መፀውዒ ድማ ካብቲ ኣብ ሽምጢ ኣዋልድ ዝእሰር ኣሸንዳ ዝበሃል ገፊሕ ቆፅሊ ወይ ድማ ሳዕሪ ዝተወሰደ ምዃኑ ኣቦና ያሬድ ካሳ ይዛረቡ፡፡

ኣብ ቅንያት ኣሸንዳ ኣዋልድ ናፅነተን ዝእውጃሉን ካብ ወጋሕታ ክሳብ ፀሓይ ዓራርቦ ዝፃወታሉን ዝሕምብጣሉን በዓል’ዩ፡፡

ኣዋልድ ካብ ካልእ እዋን ዝያዳ ብባህላዊ ኣልባሳት ማዕሪገንን ተፈሻሺለን ስለዝቐርባ ድማ “ቆልዓ ኣሸንዳ ሪኢኻ ኣይትታሓፀ” ይባሃል፡፡

XS
SM
MD
LG