መቐለ —
ኣይተ ኣስገደ ናብ ወፃኢ ሃገር ከይደ ክሕከም ዓቕሚ የብለይን፤ ኢህወደግን መንግስትን ከሐክሙኒ ይግባእ እንትብሉ ብስሩዕ ደብዳበ ሓቲቶም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣይተ ኣስገደ ሓደ ካብቶም ቃልሲ ዝፈለሙ ኣይኰኑን ኢሎም ንዝጸሓፉ ሰባት ብትረት ኮኒኖም። ካብቶም ፈለምቲ ተጋደልቲ ምዃኖም ዝገልፅ መርትዖ ድማ የቕርቡ።
ኣይተ ኣስገደ ደርግ ኣብ ምውዳቕ ዘካየድዋ ቃልሲን ደሓር ካብ ህወሓት ብኣፈላላይ ቅዋም ምስወፁ "ክንዲ ፍረ ጣፍ እውን ትኹን ዘናስሕ ነገር የብለይን" እንትብሉ ምስ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ተዛሪቦም።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ገንዘብ ኣዋፂኡ ከሐክመኒ እዩ ዝብል ፅኑዕ እምነቶም ድማ ገሊፆም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።