ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ ኣብ ኢንዶኖዥያ ዝተጋብኣ ዋዕላ ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኤስያ መደረ ዘስምዓሉ እዋን ተወካሊ መይንማሪ ዝተቐመጦ መንበር ብባንዴራ'ታ ሃገር ዝተሸፈነ ኔሩ፡ እዚ እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ክትምለስ ንምዝኽኻር'ዩ፡ ንሰን'ውን ነዚ ኣስሚረናሉ'የን።
ካመላ ሃሪስ "እቲ ስርዓት ይፍፅሞ ዘሎ ዘስካሕክሕ ዓመፅ ከብቅዕ፣ብዘይ ፍትሒ ዝተኣሰሩ ኩሎም ክፈትሕ፣መይንማር ናብ ሓቛፊ ስርዓት ዴሞክራሲ ክትምለስ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ፀቕጢ ምግባራ ክትቕፅለሉ እያ"ኢለን።
ረብሓ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ንምርግጋፅ ወሳኒ ዝኾነ ዕማም ምሕያል ዝብል ዒላማ ሒዘን ናብቲ ዞባ ዝገሻ ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ሃሪስ ምስ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ ምልልስ "ዋሽንግተን ሕጂ ነማዕብሎ ዘለና ድሕሪ 10፡20፡30 ዓመታት ንረብሓ ሃገርና ክህልዎ ንዝኽእል ኣገዳስነት ኣቓልቦ ክትገብረሉ ኣለዋ’’ ኢለን።
ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን መራሕቲ ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኤስያ መይንማር ኣብ 2026 ክትርከቦ ካብ ዝነበራ ኣደመንበርነት እቲ ማሕበር ወታሃደራዊ እታ ሃገር ኣብ 2021 ብመፈንቅለ መንግስቲ ስልጣን ምሓዙ ስዒቡ ንዝቐፀለ ምፍሳስ ደም ብምዅናን ከም ዝእግዱዋ ገሊፆም። ኣብ ክንድኣ ንፊሊፒንስ መዚዞም ኣለው።
ጎኒ ንጎኒ እቲ ዋዕላ ዝተራኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካን ፕረዚደንት ኢንዶኒዥያ ጆኮ ዊዶዶን ርክባት ሃገራቶም ናብ "ሓፈሻዊ ስትራተጂያዊ ሽርክነት’’ ክብ ከምዘበልዎ ኣፍሊጦም። እዚ ውዕል ኣብ ዘይኣሰራ ሃገራት ዝግበር ዝለዓለ ደረጃ ስምምዕ እዩ።
ምኽትል ፕረዚደንት ሃሪስ ኣብቲ ዞባ ዝተረኸባ ጂኦፖለቲካዊ ውድድራትን ወጥሪን ዝያዳ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ሕጅ እዋን'ዩ።
ቀዳማይ ሚንስተር ቻይና ሊ ኲያንግ ኣብ ጃካርታ ምስ መራሕቲ ኤስያ ኣብ ዝተራኸብሉ "ፍልልያት ንምቁፅፃር ሕጂ ኣገዳሲ ዝኸውን ምምራፅ ወገናዊነት ምቅዋም፣ ንናይ ደንበ ርፅም ምቅዋም፣ ንሓዱሽ ዝሑል ኲናት ምቅዋም ‘ዩ። ኣብ መንጎ ሃገራት ዝፍጠር ፍልልያትን ምስሕሓባትን ብኣግባብ ክትሓዝ ኣለዎ" ኢሎም።
ሎሚ ሓሙስ ሃገራት ኤስያንን መሻርኽቲ ሃገራት ኣመሪካ፣ቻይና፣ሩሲያ፣ኣውስትራሊያ፣ህንዲ፣ ጃፓን፣ ኒውዚላንድን ደቡብ ኮሪያን ብሓባር ዝተሳተፋሉ ዋዕላ ደቡብ ምብራቕ ኤስያን ተዛዚሙ'ሎ።
ቅጥዒ