ኣብ ሱዳን ኲናት ካብ ዝውላዕ ንድሓር ኣብታ ሃገር ተሰዲዶም ዝነበሩ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ይምለሱ።
በቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ግጭት፡ ኣስታት 800 ሺሕ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሃዲሞም ኔሮም፡ ሕጂ ድማ ብሰንኪ ኲናት ሱዳን እዞም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለው።
ሊና ሚጆክ ሓንቲ ካብኦም`ያ፡ ቅድሚ 10 ዓመታት ናብ ሱዳን ተሰዲዳ። ሕጂ ግን ህይወታ ከተድሕን ናብ ሃገራ ክትምለስ ወሲና።
እዛ ክልተ ቆልዑት ዝሓዘት ጓል 26 ዓመት ደቡብ ሱዳናዊት“ካልእ ኣማራጺ እንተዝህልወኒ ናብ ካልእ ምወጻእኩ፡ ግን መሕለፊ የለን” ትብል።
ኣብ ከተማ ኦምዱርማን ሰራሕተኛ ኮይና ትነብር ኔራ።ተኹሲ ምስ ጀመረ ግን ዝሓዙ ሒዞም ክሃድሙ ጀሚሮም፡ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ከምኡ ኣውቶቡሳት ተሳፊሮም ድማ ብጫካታት ኣቢሎም ናብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ክኣትዉ ክኢሎም።
ሕጂ ካብ መንጎ`ቶም ኣብ ኣዋራጃ `ረንክ` ተዓቑቦም ዘለዉ ኣሸሓት ስደተኛታት`ዮም።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን፡ መግቢ ማይን ኮበርታን ይህብዎም ኣለዉ።
"ሙቐት ቀቲሉና`ዩ” ትብል ሊና ሚጆክ፡ ገለ ሰባት ንኣርባዕተ መዓልታት ከይበልዑ ከምዝጸንሑ ብምጥቃስ፡ መደቀሲ የብልናን ቆልዑ`ውን ይሓሙና'ለዉ ትብል።
ሕቡራት ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ከግዕዛ ድማ ተስፋ ትገብር። ኲናት ሱዳን ካብ ዝጅመር ንድሓር ፡ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 30 ሺሕ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝሰገሩ ሰባት መዝጊቡ`ሎ።
ትካላት ረድኤት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተፈናቐልቲ ከምኡ`ውን 11 ሚልየን ዝኾኑ ተጸበይቲ ረድኤት ኣብ ዘለውዋ ሃገር፡ ነቲ ኣቐዲሙ`ውን ከቢድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ከጋድዶ`ዩ ዝብል ሻቕሎት ኣለዎም።
ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ኣብ 2011 ናጽነታ ረኺባ።እንተኾነ ግን ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ካልእ ግጭት ተወሊዑ፡ ኣስታት 400 ሺሕ ሞይቶም ብዙሓት ተፈናቒሎም።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ንተመዛበልትን ስደተኛታትን ዝኸውን እኹል ባጀት ከምዘይብሉ ይገልጽ። ወሃቢት ቃል'ቲ ትካል ቻርለት ሃልቂቪስት:“ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፡ ንደቡብ ሱዳን ከይርስዕ” ትምሕጸን።