ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዊሊያም ባር ንፕሬዝዳንት ትራምፕ ዝህቡዎ ውፁእ ደገፍ ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ


ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዩናይትድ ስተቴ ስ ዊሊያም ባር ህንጥው ደጋፊ ኣጀንዳ ‘’ሕግን ስርዓትን’’ ትራምፕ ምዃኖም ንሶም ዝመርሕዎ ምንስትሪ ፍትሒ ኣብ ናይ መረፃ ፖለቲካ ይፃወቶ ዘሎ ታራ ክትዕ ወሊዑይርከብ።ዊሊያም ባር ፅንፋዊያን ፀጋማይ ክንፊ ተቓውሞታት ናይ ዘርኢ ፍትሒ ጨውዮምዎ ክብሉ ንናይ ትራምፕ መደረ ወፍሪ ምርጫ ኣቃሊሖም ኣለው።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከኖሻ ዊስከንሰን ዑደት ብምፍፃን ንዝዓነው ትካላት ንግዲ ብምዕዛብን ንህዝባዊ ድሕነት ናይታ ከተማ ዝውዕል ልዕሊ 40 ሚሊዮን ዶላር ህፁት ሓገዝ ገንዘብ ከምዝውሃ ኣፍሊጦም።ባር ናብታ ከተማ ምስኦም ወሲዶምዎም ነይሮም።

ባር ንናይ ትራምፕ መደረ ወፍሪ ምርጫ ብምቅላሕ ንናይቲ ከባቢ መራሕቲ ኣብ ዘዘራርቡሉ እዋን ብመምርሒ ትራምፕ ሓደ ጉጅለ ኣካላት ፀጥታ ፌደራል ኣብ ውሽጢ ማዕልታት ናብ ከኖሻ ምልኣኾም ገሊፆም።

ከተማ ከኖሻ ሓደ ፖሊስ ንኣፍሪካዊ ኣሜሪካዊ ጃኮብ ብሌክ 23 ነሓሰ ቶኵሱ ብክፋል ክለምስ ድሕሪ ምግባሩ ንብርክት ዝበሉ ማዕልታት ብዝወሰደ ናዕባዊ ተቓውሞን ዓመፅን ኣዚያ ተሃሲያ እያ።

‘’ፌደራል መንግስቲ ነዞም ሰባት እዚኦም ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኩሎም መሳርሒታትና፣ኩሎም ሕግታትንምጥቃም ድልዋት ኢና’' ኢሎም ባር።

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ካብ ለበዳን ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣቓልቦ ብምቕያር ኣብ ገበን ብርቱዕምዃኖም ንመረፅቲ ንምርኣይ ወፍሪ ኣብዘካይድሉ ባር ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ ትራምፕብተደጋጋሚ እዮም ተራኢዮም።

ስልጣን ዋይት ሃውስ መን ዓተረ ኣብ መንጎ ትራምፕን ባይደንን ወፍሪ ኣብ ዝሓየለሉ ባር ናይ ፌደራል ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ብምውዳብ ናይ ትራምፕ መልእኽቲ ዳግመ ምርጫ ‘’ሕግን ስርዓትን’’ ንምፍላጥተኸታታሊ ተበግሶታት ወሲዶም እዮም።

8 ሓምለ ባር OprationLeGend ተባሂሉ ዝፅዋዕ ወፍሪ ፀረገበን ኣዊጆም።እቲ ሽም ኣብ ከተማ ካንሳስ29 ሰነ ኣብ ድቃሉ እናሃለወ ብጥይት ዝተቐትለ ለጀን ታሊፌሮ ብዝተብሃል ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ህፃን እዩ ዝፅዋዕ።

ከም ኣካል እቲ ተበግሶ ንከባቢያዊ ኣኽበርቲ ሕጊ ንምሕጋዝ ምንስትሪ ፍትሒ ናብ ትሽዓተ ከተማታት እታ ሃገር ኣካላት ፀጥታ ልኢኹ ኣሎ።

ትራምፕ ኦፐረሽን ሌጀንድ ንወፍሪ ምርጫ ይጥቀምሉ ኣለው ክብሉ ዴሞክራት ንትራምፕ ክኸሱዎም ከለው ባር ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ንኮንግረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ብኻሊእ ሽም ተጀሚሩ ናይ ዝነበረ ወፍሪ መቐፀልታ እዩ ክብሉ ተኸላኺሎም።

እቲ ስርሒት ክሳብ ሎሚ ን1,500 ሰባት ብምእሳር ብዝተፈላለዩ ናይ ፌደራል ገበናት ኣስታት 500 ሰባት ተኸሲሶም ኣለው ብመሰረት ምንስትሪ ፍትሒ።

ናይ ትራምፕ መርገፂ ኣብ ልዕሊ ዓመፀኛታትን ገበነኛታትን ነዊሕ ዝፀንሐ ተሪር ፖሊስታት ፀረ ገበናት ዘንፀባርቕ እንተኾነ እውን ዴሞክራትን ነቐፍትን ግን ባር ንናይ ትራምፕ ምርጫ ንምሕጋዝ ስጉምታት ንክዉሰዱ ይእዝዙ ኣለው ክብሉ ይነቕፉዎም።

‘’ምንስትሪ ፍትሒ ከምዚ ክሰርሕ ኣይምነበሮን’’ኢሎም ናይ ቀደም ዓቃቢ ሕጊ ኒክ ኣከርማን።’’ዋና ዓቃቢ ሕጊ ናይዚ ኣካል ኮይኑ ምርኣይ ፈፂሙ ዘናድድን ኣብ ማእኸል ይካየድ ዘሎ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ የቐምጦምን’’ይብሉ ኣከርማን።

ዓቃባዊ ሪፓባሊካዊ ዝኾኑ ባር ግን ነቲ ነቐፌታ ይነፅጉዎ።

ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ንናይ ፌደራል ሓውልትታትን ህንፃታትን ዝከላኸል ተወሳኺ ሓለዋ ክግበረሎም ዝእዝዝ ሰነድ ድሕሪ ምፍራሞም ባር ዕጡቓት ኣካላት ፀጥታ ናብ ፖርትላንድን ሲያትልን ልኢኾም።መብዛሕቲኦም ካብቲ ከባቢ ዝወፁ እንተኾኑ እውን ምንስትሪ ፍትሒ ኣብ ዙሪያ እታ ሃገር ይርኣዩ ምስ ዘለው ተቓውሞታት ብዝተሳሰረ ንሰባት ምኽሳሱ ቀፂሉሉ ኣሎ።

ክሳብ ዝሓለፈ ረቡዕ 228 ሰባት ብናይ ፌደራል ገበናት ተኸሲሶም ኣለው።

ናይ ፌደራል ዓቃቢት ሕጊ ዝነበራን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ባልቲሞር ናይ ሕጊ ፕሮፌሰር ዝኾናን ኪበርሊ ዌል ባር ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ንናይቶም ፕሬዝዳንት ስትራተጂ ወፍሪ ዘሐይል ዘየማትእ ምልክት ገዲፎም ኣለው ትብል።

XS
SM
MD
LG