ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዝሒ ህዝቢ ህንዲ ኣብ ዝወሰኸሉ፡ ቁጽሪ ኣብ ስራሕ ዝዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ግን ትሑት'ዩ


ብዝሒ ህዝቢ ህንዲ ኣብ ዝወሰኸሉ፡ ቁጽሪ ኣብ ስራሕ ዝዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ግን ትሑት'ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:27 0:00

ብዝሒ ህዝቢ ህንዲ ኣብ ዝወሰኸሉ፡ ቁጽሪ ኣብ ስራሕ ዝዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ግን ትሑት'ዩ

ህንዲ ብብዝሒ ህዝባ ንቻይና ክትቕድም ከምትኽእል ይግለጽ ኣሎ፡ቁጠባኣ'ውን ብናህሪ ዝዓቢ ካብ ዘሎ ሃገራት ዓለም ሓንቲ እያ።ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ምውፋር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ግን እቲ ቁጽሪ ንዝሓለፉ ዓመታት ክጎድል'ዩ ጸኒሑ።

ሰብ ሞያ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ እንተዘይተዋፊረን እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁ፟ጠባ ፈተና ክኾኖ ከምዝኽእል ስግኣቶም ይገልፁ።

ሺላ ሲንግ ኣብታ ምንቅስቃ፟ስ ዘይፍለያ ማእከል ፋይናንስን ዋና ኸተማን ህንዲን ዝኾነት ሙምባይ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳይ ኮይና ን16 ዓመታት ሰሪሓ። ዋላ'ዃ ስድራኣ ኣብ ገዛ ኾይና ክልተ ደቃን ብዓል ገዛኣን ክትኣሊ ብተደጋጋሚ ክነግርዋ እንተፀንሑ ንሳ ግን ስራሓ ትፈትዎ ስለዝነበረት ነቲ ዝገጥማ ዝነበረ ተቃውሞ ተፃዊራቶ ፀኒሓ። ሓደ እዋን ግን ጓላ ትምህርቲ ተቡክር ምህላዋ ሰምዐት ኣማራፂ ስኢነ ትብል።

“ ንደቃ ዘይትከታተል ዝብሉን ካልኦትን ፀቕጢ ይበዝሓኒ ነይሩ። ሽዑ ስራሕ ንዓይ ዝኸውን ከምዘይኮነ ወሲነ ንጉሆ ከይደ ምሸት እየ ዝምለስ። ከምኡ'ውን መዓልታዊ ብዓል ገዛይ ደቅና ክከታተሎምን ክሕብሕብን ይነግረኒ ስለዝነበረ ክሰምዖ ስለዝነበረኒ ስረሐይ ኣቋሪፀ።”

ኣብ 2020 ሺላ ሲንግ ስራሓ ከተቋርፅ ከላ ዝነበራ ኣታዊ ካብቲ መራሒ መኪና ኮይኑ ዝሰርሕ ብዓል ቤታ ዝረኽቦ ኣታዊ ዝበለፀ ነይሩ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ መዓልታዊ ኣታውታቱ ዝለዋወጥ ነይሩ እንተኾነ ግን ንሱ ስሩሑ ከቋርፅ ዝሓበሮ ኣይነበረን ትብል ።

ብናይ ብዓል ቤታ ኣታዊ ጥራሕ ክቡር መነባብሮ ከተማ ክትፃወሮ ስለዘይትኽእል ናብ ገጠር ዓዳ ክትምለስ ወሲና ኣላ። ይኹን ምበር ኣብ ቀረባ ናብ ከተማ ተመሊሳ ዝረኸበቶ ስራሕ ሰሪሓ ህይወታ ከተመሓይሽ መደብ ከምዘለዋ ትገልፅ።

ህንዲ ኣብዚ እዋን'ዚ ትሑት ቁጽሪ ኣብ ስራሕ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘለወን ሃገራት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከባ 20 ሃገራት ሓንቲ'ያ።

ህንዲ ብዝሒ ህዝባ እናወሰኸ ምስ ምኻዱ ተተሓሒዙ እዘን 670 ሚልዮን ዝግመት ቁፅሪ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ እንተዘይተዋፊረን እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁ፟ጠባኣ ፈተና ክኾኖ ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ስግኣቶም ይገልፁ።

ፖናም ሙትረጃ ዳይሬክተር ኣብ ምትግባር ፆታ ማእከል ዝገበረ ናይ ጥዕናንን ልምዓትን ፖሊሲታትን ስትራቴጅን ክሕንፀፁ ዘተባብዕ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ፖፑሌሽን ፋውንዴሽን ህንዲ እየን።

"መጠን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ እናቀነሰ ይመፅእ ኣሎ ነዚ ከም ምኽንያት ዝውሰድ ድማ እቲ ኣብ ገዛ ዘለወን ተሳትፎን ጠዋሮ ስድረአን ብሙዃነን'ዩ እዚ ድማ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ካብቲ ዘሎ ውሑድ ናይ ስራሕ ዕድል ስድረአን ክኣልያ ከቋርፀኦ ይግደዳ ኣለዋ። ስለዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ንኽፀንሓ ዘተባብዐን ቁጠባ የድሊ ኣሎ።"

ኣብ ዩኒበርስቲ ኣዚም ፕረምጂ ምህርቲ ስነቁጠባ ዝኾነት ሮዛ ኣብራሃም ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ ተቆፀርቲ ስራሕ ኣብ 2004 35% በፂሑ ዝነበረ ኣብ 2022 ናብ 25% ምውራዱ ኣብ መረዳእታ ዝተመርኮሰ ዝተገብረ መፅናዕቲ ይሕብር ትብል ።


ማእከል ምክትታል ቁጠባ ህንዲ (CMIE) ዝገበሮ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ 10% ዕድመኤን ንስራሕ ዝበፅሐ ደቂኣንስትዮ ህንዲ ጥራሕ እየን ስራሕ ዝተቆፅራ ወይውን ንስራሕ ዘመልከታ ይብል።

ቁፅሪ ስራሕ ኣልቦ ደቂ ኣንስትዮ ህንዳውያን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። ህንዲ እዚ ሃጓፍ ዝዕጸወሉ ኩነታት እንተኣመዓራርያ ዓብዪ ዕድል ሙዃኑ እዮም ሰብ ሞያ ይገልፁ።

ኣብ 2018 ማኪንዜይ ዝተባህለ ትካል ዘውፀኦ ፀብፃብ ህንዲ ኣብ ዓቕሚ ሰባት 10% መጠን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ እንተወሲኻ ኣብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍርያታ 552 ቢልዮን ዶላር ክትውስኽ ከምትኽእል ገሚቱ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG