ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍቲ ህወሓት ተባሂሎም ንዝተጠርጠሩ ይኣስሩ ኣለው


ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍቲ ህወሓት ተባሂሎም ንዝተጠርጠሩ ኣማእቲ ተወለድቲ ትግራይ ኣኪቦም ይኣስሩዎም ኣለው።እቲ ማእሰርቲ ኩሎም ወገናት ንድሕሪት ክምለሱ፣ እቲ ውግእ ጠጠው ከብሉን ኣብ ባይታ ይኸውን ዘሎ ደው ክብልን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፃውዒት ኣብ ዘቕረብሉ እዩ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዝተኣሰሩ ሕጊ ብምጥሓስ ስለዝተጠርጠሩ እዩ ይብል።

ሕቡራት መንግስታት ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ህፁፅ ግዜ ምስ ኣወጀ ኣብዚ ሰሙን ዝተኣሰሩ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታትን ብናይ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ጉጅለታት ረድኤትን ብኮንትራት ዝሰርሑ ዓሰርተታት ዘወርቲ ናይ ፅዕነት መካይንን ክፍትሑ ይደሊ።ወሃቢ ቃል ዋና ፅሓፊ ሕቡራት መንግስታት ዝኾኑ ስቴፋን ዱጃሪክ ንኣባላት ሰርሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ማእሰርቲ ናይዞም ዘወርቲ ናይ ፅዕነት መካይን ሕቡራት መንግስታትን ናይ ረድኤት ትካላትን ናብ ክልል ትግራይ ንሚሊዮናት ሰባት ዘድሊ ምግቢ፣ቀረባት መድሓኒትን ነዳዲን ንምቕራብ ንዝካየዱ ፃዕርታት ካሊእ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ 18 ጥቅምቲ 2021 ኣ\ፈ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ካብ ዝጅመር ናብቲ ክልል ካብ ወፃኢ ዝኣተወ ረድኤት የለን።

ክልቲኦም መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ትግራይ ተዋጋእትን እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ትድግፍ ኣላ ብዝብል ንኣሜሪካ ይኸሱዋ።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ግን ኩሎም ወገናት ንድሕሪት ክስሕቡን ሓገዝ ንዘድልዮም ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ውግእ ጠጠው ክብሉን ብረቡዕ ፀዊዖም።

ኣዲስ ኣበባ ህድእቲ እያ።መብዛሕቲአን ምዕራባዊያን ሃገራት ግን ዜጋታትነ ክወፃን ናብ ኢትዮጵያ ከይጉዓዙን ሓቲተን ኣለዋ።

ብኻሊ ዜና ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰራሕተኛታት ዝተኣሰሩ ንናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ብምጥሓስ ስለዝተጠርጠሩ እዩ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ ፃዕሪ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ንቀርኒ ኣፍሪካ ኣባሳንጆ ተሓቲቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ፃዕሩ ንሰላም ጠጠው ምባል ስለዝኾነ ንድግፎ ኢና ኢሎም።ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ኩነታት ክሳብ ዝተወገዱ ናብ ሰላም ዘይኽየደሉ ምኽኒያት የለን ኢሎም ብምውሳኽ።

ሕዚ እታ ሃገር ብእትርከበሉ ኩነታት ግን ናይ ድርድር ስራሕን መስርሕን ገና እዩ ኢሎም።

Recommended

XS
SM
MD
LG