ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደረፍትን ስነ-ጥበበኛታትን ኣመሪካ መንግስቲ ካብ ዝምታ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ክከላኸለሎም ይጽውዑ


ደረፍትን ስነ-ጥበበኛታትን ኣመሪካ መንግስቲ ካብ ዝምታ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ክከላኸለሎም ይጽውዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:10 0:00

ደረፍትን ስነ-ጥበበኛታትን ኣመሪካ መንግስቲ ካብ ዝምታ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ክከላኸለሎም ይጽውዑ

ደረፍትን ስነ-ጥበበኛታትን ኣመሪካ መንግስቲ ካብ ዝምታ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ክከላኸለሎም ይጽውዑ።

ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ኣብ ፍርያት ሙዚቃን ድርሰትን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት መግትኢ እንተዘይተገይርሉ፡ ናብራና ክበላሾ `ዩ ክብሉ`ውን የሰምዑ።

ናብ ክፍሊ ምኽባር መሰል ዋንነት ኣመሪካ ዝተጻሕፉ ደብዳቤታት ጥርዓን ማእለያ ይብሎምን። ድምጽና በቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ይቕየር ወይ ይስረቕ ኣሎ ዝብሉ ደረፍትን መደርትን፡ መንግስቲ ኣደብ የትሕዘልና እናበሉ ይጠርዑ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ትካላት ቴክኖሎጂ በቲ ዘሎ ክቕጽል ይደልያ፡ ምኽንያቱ ኩሉ ብሰብ ዝዳሎ ፍርያት በቲ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ይትክኣለን ስለዘሎ።

ኣብዚ ጉዳይ`ዚ ሰበ-ስልጣን ምኽባር ዋንነት ኣመሪካ ጸግዒ ክወስዱ ኣይደለዩን።

ሺራ ፐርልሙተር ሓላፊት እቲ ክፍሊ`ያ፡ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ ቃለመጠይቕ፡ ቤት ጽሕፈታ ንኹሉ ጥርዓናት ይሰምዕ ከም ዘሎን፡ ምስዚ ሓዲሽ ምዕራፍ ዝሳነ ሕግታት ከውጽእ ኣብ ምምዝዛን ከም ዘሎን ተዛሪባ። “ኣስታት10- ሺሕ ደብዳበታት ተቐቢልና” ዝበለት ሺራ ፐርልሙተር፡ “ነብስወከፍ ደብዳበ ድማ ብኮምፒተር ዘይኮነስ ብሰብ `ዩ ተነቢቡ፡ ኣነ ንባዕለይ ብዙሕ ደብዳበታት ኣንቢበ`የ” ኢላ።

ቤት ጽሕፈት መሰል ዋንነት ኣመሪካ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ብጠቕላላ ልዕሊ 480- ሺሕ መሰል ዋንነት ዝመዝገበ ክኸውን ከሎ፡ ብኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝተሰርሑ ፍርያት `ውን ንክምዝገቡ ዝቐረቡ ሕቶታት ቁጽሮም እናዛየደይከይድ ኣሎ። ዛጊት ግን ብኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝቐረቡ ፍርያት በቲ ቤት ጽሕፈት ክንጸጉ ጸኒሖም ኣለዉ፡ ምኽንያቱ ሕጊ መሰል ዋንነት ንፍርያት ደቂሰባት ከኽብር ዝቖመ ስለዝኾነ።

ይኹን ምበር፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት መሰል ዋንነት ኣመሪካ ሺራ ፐርልሙተር ክትገልጽ ከላ፡ ነቲ ስርዓት ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝምግቡዎ ሰባት ስለዝኾኑ፡ ከምኡ`ውን ንውጽኢት ፍርያት ክጸሉ ዝኽእል መምርሕታት ስለዘእትዉ፡ ነቲ ኣገዳሲ ኣካላት ናይቲ ብልሒ ዝቖጻጸር እኹል ተሳትፎ ደቂ ሰባት ኣሎ`ዩ ትብል። ሕጂ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ኮይኑ ዘሎ ነገር፡ ሓደ ብመሰል ዋንነት ዝተመዝገበ ፍርያት ካብ ኢንተርነት ተሳሒቡ ብዘይ ፍቓድ ንኻልእ ረብሓን ስልጠናን ይውዕል ምህላዉ`ዩ።

ሕጂ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ሕጊ መሰል ዋንነት ብኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝፈርዩ ነገራት ለውጢ ክገብር ዝኽእል እንተኾይኑ ኣብ ሚዛን ከም ዘሎ እታ ሓላፊት ትገልጽ።

እቲ ብስነ-ጥበባውያን ዝቐርብ ዘሎ ድፊኢት ድማ ዘየባሪ ኮይኑ`ሎ። ናብ ቤት ጽሕፈት መሰል ዋንነት ደብዳቤታት ካብ መንጎ ዝጸሓፉ ሓንቲ ዝኾነት ተዋሳኢትን ኣፍራይት ፊልምን ዝኾነት ጃስቲን በይትማን፡ ኣርቲፊሻላዊ ሞደላት ኣብቲ 100 ዓመት ዘቑጸረ ፊልምን ቴሌቭጅንን ኣትዩ ነቲ ኢንዱስትሪ ከዕንዎ ይኽእል `ዩ ትብል። “ ንዓና ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ ጥሕሰት መሰል ዋንነት ከም ዝኾነ `ዩ ዝስምዓና” ክትብል ዝጸሓፈት ጃስቲን በይትማን። “ነዚ ተግባር ስርቂ ጠጠው ክተብሉልና ተስፋ ንገብር” ኢላ።

ኣዳላዊት ቴሌቭጅን ሊላ ዛከርማን ብወገና፡ ስሱዓት ካምፓኒታት ንኽእለት ሰባት ካብ ዕዳጋ ሆሊዉድ ከውጽእዎ ይደልዩ ኣለዉ ድሕሪ ምባል ኢንዱስትሪኣ ኣብ ልዕሊ`ቲ ናይ ዝምታ ማሺን ዝበለቶ፡ ኵናት ከም ዝእውጅ ኣፍሊጣ።

እቶም ናይ ጥርዓናት ደብዳበ ዘእትዉ ዘለዉ መብዛሕቲኦም ውልቀሰባት`ኳ እንተኾኑ፡ ከም ዩኒቨርሳል ሙዚክ ግሩፕ ዝተባህሉ ኣሕተምቲ`ውን ኣብ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ እኹል ምቁጽጻር የለን ይብሉ። ከም ዘ-ኒውዮርክ ታይምስ ን ኣሶሴይይትድ ፕረስን ዝበሉ `ውን ተጸንቢሮሞም ኣለዉ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ከም ጉግል ማይክሮሶፍት ከምኡን ቻት ጅፒቲ ዝሰርሐ ኦፐን ኤ-ኣይ ዝበሉ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ እቲ ዝጥቀምሉ ኤይ.ኣይ ሞደላት፡ ኣብቲ “ርትዓዊ ተጠቃምነት” ዝብል ኣምር ወይ ዶክትሪን ዝሕቆፍ ምዃኑ፡ ንሱ ድማ ንከም መምሃርን መመራመርን ተባሂሉ ውሱን ፍርያት መሰል ዋንነት ምጥቃም ዘፍቅድ ምዃኑ ይማጎቱ።

ዛጊት ኣብያተ ፍርዲ ኣብቲ መሰል ዋንነት ምስ ኣተሓሕዛ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ብኸመይ ክትርጎም ኣለዎ ኣብ ዝብል፡ ምስ ትካላት ቴክኖሎጂ ከምዝወገና `ዩ ዝግለጽ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ፈደራል ዳኛ ሳን-ዲያጎ ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ ሽሕ `ኳ ገለ ካብቲ ክስታት ክቕጽል እንተ ኣፍቀደ ኣንጻር ኣፍረይቲ ምስሊ ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ዝቐረበ ዝዓበየ ክሲ ነጺግዎ`ሎ፡።

ሕጂ ርትዓዊ ተጠቃምነት ብኸመይ ተዛሚዱ ይኸይድ ዝብል ሕቶ `ዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ትብል ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ምኽባር መሰል ዋንነት ኣመሪካ ሺራ ፐርልሙተር፡ ርትዓዊ ተጠቃምነት ማለት ድማ ንኣብነት ብ`ጉግል ቡክስ` ዝቐረበ ንመምሃሪ ዝኸውን መጻሕፍቲ ብኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ክንበብ ምፍቃድ ዝብል `ውን ከም ዘጠቓልል ፡እንተኾነ እቲ ሕቶ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ኣስሚራትሉ`ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG