ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦሎምፒክ ቤጂንግን ሰብ ሰራሕ በረድ ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘሕደሮ ስግኣትን


ቤጂንግ ኣብዚ ሰሙን ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ንምጅማር ትቀራረብ ኣብ ዘላትሉ ሳይንትስታት\ሊቃውንት ናይዚ ስፖርታዊ ውድድር መፃኢ ዕድሉ ኣብ ስግኣት ክወድቕ እዩ ክብሉ የጠንቅቑ።ናይዚ ምኽኒያት ድማ ለውጢ ኩነታት ኣየር እዩ።

ካብ ቤጂንግ ብኣንፈት ሰሜንምዕራብ 200 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ እትርከብ ዣንጃኩ ነፃ ቅዲ ምንሽሕታትን(Freestyle Skiing) ፣ኣብ በረድ ቁልቁለት ምዝላል (Snowboarding)፣ ብመንሻሕተቲ ናይ በረድ ነዊሕ ጉያን (Cross-country skiing) ዝላን (Skii Jumping) ክተተኣናግድ እያ።እቲ ፀገም ብዙሕ በረድ ኣይወቅዕን።

ዛጊድ ንብርክት ዝበሉ ሳምንታት ናይ በረድ ማሽናት ሰብ ሰራሕ በረድ ኣብ ምንስናስ ወይ ኣብ ምንፃግ ይርከባ።ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ዣክ ፎርኒየር ከቢድ ስራሕ ኣለዎ።’’ራህዲ የለን፤ኣዚዩ ደረቕ እዩ።ብዙሕ ንፋስ ክዓ ኣሎ’’ በለ ንሱ።

ንመጀመሪያ ግዜ ናይ ቤጂንግ ዊንተር ኦሎምፒክ ዳርጋ ምእቲ ፐርሰንት ሰብ ሰራሕ በረድ (Artificial Snow) ክጥቀም እዩ።ግን ድሕነት ኣትሌታት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ ክብል ሓዱሽ ሪፖርት የጠንቅቕ።ማደለይን ኦር ኣብ ዩኒቨርስቲ ላፍቦሮ ክኢላ ስፖርት ኢኮሎጂ እያ።

ኣብ ቢያትሎን ወይ ነዊሕ ጉያ በረድ ወይ ኣትሌታት ኣብ ኣየር ዝገለባበጠሉ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ነፃ ቅዲ ምንሽሕታት \Freestyle Skiing) እቲ ባይታ ልስሉስ ክኸውን ኣለዎ ትብል።’’ሰብ ሰራሕ በረድ 70 ካብ ምእቲ ናብ ነቓፅ ወይ ፅኑዕ በረድ ይልወጥ።ናይ ተፈጥሮ በረድ እንተኾይኑ ግን 30 ካብ ምእቲ እዩ ናብ ፅኑዕ በረድነት ዝቕየር።እዚ ማለት ድማ እቲ ባይታ ፅኑዕ ይኸውን እሞ ክጎድኦም ይኽእል’’ ትብል።

ኣሜሪካዊ ተወዳዳራይ ምንሽሕታት በረድ (Snowboarder) ተይለር ጎልድ ንናይ ቤጂኒንግ ኦሎምፒክ ኣብ ምድላው ይርከብ።ኣብ 2014 ኣ\ፈ ኣብ ሩሲያ ሶሺ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝተወዳደረሉ እዋን እቲ በረድ እናመኸኸ ከሎ ይዝክር።

እቲ በረድ ከይመክኽ ንምክልኻል ገለ ኬሚካል ይነዝሑ ነይሮምንናይ በረድ ምንሽሕታት ዝኸውን ኣይነበረን ኢሉ።

ኩነታት ኣየር ሶሺን ቤጂንግን ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ንምእንጋድ ምቹው ኣይኮነን ይብሉ ነቐፍቲ።ግን ዋላ ኣብ ዝለዓለ ብራኸ እዚ ውድ ድር ዝካየደሎም ጎቦታት ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለው።

’’ንኣብነት ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኣሜሪካን ምብራቓዊ ካናዳን ኣገዳሲ መጠን በረድ ንስእን ኣለና።ኣብ ሮኪስን ናይ ኣውሮፓ ኣልፕስን ከምቲ ናይ ቀደም በረድ የብልናን።ስለዚ ንቕድሚት ዘሎ ፈተና እዞም ውድድራት እዚኦም ኣበይ ኢና ክነካይዶም ዝብል እዩ’’ ትብል ማደለይን ኦር።

ሰብሰራሕ በረድ ምጥቃም ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዕንወት የውርድ እዩ።ማደለይን ኦር ቅድም ኢሉ ዝተገበረ መፅናሕቲ ዝሕብሮ ኣብ እንስሳ በረኻ ዕንወት ከውርድ ኽእልን ክንድኡ ዝኣክል በረድ ንምምራት ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ኢነርጂ ወይ ፅዓት እው ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ ትብል ።በረድ ንምስራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ማይ ኣዚዩ ብዙሕ እዩ።ኣብዚ ኦሎምፒክ በረድ ንምስራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ማይ 49 ሚሊዮን ጋሎን ክኸውን ትፅቢት ይግበር ትብል።

ቻይናዊያን ኣተሓባበርቲ ናይዚ ኦሎምፒክ እቶም ውድድራት ካብ ካርቦን ነፃ ክኾኑ እዮም ይብሉ።ኩሎም ናይ መፃወቲ ቦታት ብተሓዳሲ ፅዓት ዝሰርሑ ክኾኑ እዮም።ገለ ኣትሌታት ድማ ሰብ ሰራሕ በረድ ኣርተፊሻል ስኖው ይመርፁ።ካብኦም ሓንቲ ኣብ ናይ ቁልቁለት ምንሽሓታት ትፃወት ኒዊዝላንዳዊት ዞይ ሳድዎስኪ-ሲኖት እያ።

ኣተሓባበርቲ ናይቲ ኦሎምፒክ እውን ክለምድዎ ኣለዎም።ኣብ 2050 ኣ\ፈ ክሳብ ሎሚ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ካብ ዘሰናድኣ ቦታታት ትሕቲ ፍርቂ ጥራሕ እየን ከፃውት ዝኽእል በረድ ዝህልወን ክብል ፀብፃብ ዩኒቨርስቲ ላፍቦሮ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG