ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ፓርቲታት ዝካየድ ዘሎ ሃገርለኸ ልዝብ ኢትዮጵያ ዝቓንዓሉ ሃዋህው ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም


ኢሕአፓን እናት ፓርቲን ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቓናዕ ዘሎ ሃገራዊ ልዝብ ንምቅጻል ቕድመ-ኵነት ኣቕሚጦም ኣለው።

ኢሕኣፓ ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ዘለው ጎነጻት ደው ክብሉ ናይቲ ፓርቲ ኣቦ መንበር ሓዊሱ እሱራት ክፍትሑ ዝብሉን ካልኦት እቲ ፓርቲ ዘልዓሎም ቕድመ ኵነት እንተዘይተማሊኦም እቲ ፓርቲ ኣብቲ ልዝብ ከምዘይሳተፍ ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኢሕኣፓ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝረኣዩ ጸገማት ንምፍታሕ ሃገራዊ ልዝብ ከምዘድልይ ከምዝኣምን በዚ መሰረት ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ልዝብ ክሳተፍ ምጽንሑ እንተኾነ እቲ ህልው ሃዋህው ኣብቲ ልዝብ ንምቕጻል ከምዘይኣኽኣሎ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብቲ ሃገራዊ ልዝብ ዘዳለዎ መድረኽ ዝሓለፈ ቐዳም ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ "ብተደጋጋሚ ክንላዘብ ዝብሉ ዝነበሩ ንዑ ንላዘብ ክንብሎም ከለና ፍቃደኛ ምዃን ጥራይ ዘይኾነ ብሓጎስ ክሳተፉ ይግባእ" ኢሎም።

እናት ፓርቲ ብወገኑ ብተመሳሳሊ ኣቐዲሙ ዘቐመጦም ቕድመ-ኵነት ብዘይምምልኦም ኣብቲ ልዝብ ንምስታፍ ከምዘጸግሞ ሓቢሩ'ሎ።

ንዝረኣዩ ግርጭታት ሰላማዊ ፍታሕ እንተዘይተረኺቡሎም፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን እንተዘይተላዒሉ ከምኡ'ውን "ብመንነቶምን ብናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስብኦምን" ዝተኣሰሩ ንኣባላት ቤት ምኽሪን ፖለቲከኛታት ሓዊሱ ካልኦት ዜጋታት እንተዘይተፈቲሖም በዚ መስርሕ ንምቕጻል ከምዘጸገሞ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት እናት ፓርቲ ዶ/ር ሰይፈስላሴ ኣያሌው ኮነ ምክትል ኣቦ መንበር ኢሕኣፓ መጋቢ ብሉይ ኣብርሃም ድሕሪ እቲ መድረኽ ልዝብ እውን ማእሰርቲ ቐጺሉ'ዩ ክብሉ ንናይ ፖለቲከኛ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ማእሰርቲ ብኣብነት ይጠቅሱ።

ብተወሳኺ ኦፌኮ፡ ኦነግን ኮከስ ብዝብል ስም ዝተአኻኸቡ ትሸዓተ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብ መርገጺ እቲ ናይ ልዝብ ኮሚሽን እምነት ከምዘይብሎም ብምግላጽ ኣብቲ ሃገራዊ ልዝብ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም ኣለው።

ብካልእ ወገን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ናይ ኣምሓራ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ እቲ ኮሚሽን ናብ ሰላም ዘምጽእ ሕጋዊ ትካል ምዃኑ ከምዘይቅበሉ ንድምጺ ኣመሪካ ምሕባሮም ይዝከር።

ኮሚሽነር እቲ ሃገራዊ ልዝብ ኮሚሽን ፕ/ሮ መስፍን ኣርኣያ ብወገኖም እቲ ኮሚሽን ኩሉ ሓቖፍ ምዃኑ ብምግላጽ በቶም ፖርቲታት ፖለቲካ ሓዊሱ ዝቐርቡ ሕቶታት ንዓወት'ቲ ልዝብ ዘድልዩ ሕቶታት እቲ ኮሚሽን ናብ መንግስቲ ከምዘቕርብ ሓቢሮም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG