ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ቀንዲ ስግኣት ህድኣት ምብራቅ ኣፍሪቃ ምኻኑ ኣሜሪካዊ ባዓል ስልጣን ገሊፆም


መጥቃዕቲ ፈጠርቲ ራዕዲ - ኒውዮርክ
መጥቃዕቲ ፈጠርቲ ራዕዲ - ኒውዮርክ

ኣብ'ቲ ዞባ ምስ ዘለው መሻርኽታ ተሓጋጊዛ ከምትሰርሕ'ውን ሓቢሮም

ዓሰርተ ዓመት ድሕሪ 11 መስከረም 2001 ኣብ ኒውዮርክን ዋሽንግተንን ዝተፈፀመ ጥቅዓት፣ዩ-ስ ዝመርሐቶ ወፍሪ ንምስዓር ኣል-ቃይዳ ኣብ እስያን ማእከላይ ምብራቅን‘ዩ ተሓፂሩ ፀኒሑ።እቲ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ ግና፣ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ‘ውን እግሩ ተኺሉ ነይሩ‘ዩ።ኣል-ቃይዳ ምስ ኣል-ሸባብ ዘለዎ ርክብ ቀንዲ ዞባዊ ምንጪ ስግኣት ከምዝኾነ ተንተንቲ ይኣምኑ።

ኣል-ቃይዳ ኣብ ኒውዮርክን ዋሽንግተን ዲሲን ብነፈርቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምልታሙ ሰለስተ ዓመታት ኣቀዲሙ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ‘ዩ ኣጥቂዑ።ብኣቆፃፅራ ኢትዮዽያ 7 ነሓሰ 1990 ርእሰ-ቅትለታዊ ጥቅዓት ዝፈፀሙ ፈጠርቲ ራዕዲ፣ነቲ ኣብ ናይሮቢን ዳሬሰላምን ዝነበረ ኤምባሲ ኣሜሪካ ወቂዖም ንኣማኢት ቀቲሎም ንካልኦት ኣሻሓት ድማ ኣቁሲሎም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስትራትፈርዳትኮም ተንታኒ ፖለቲካ ዝኾነ ማርክ ሽሮይደር፣ምብራቅ ኣፍሪቃ ጥብቂ ምምሕዳር ዘይፀንሖ ስለዝነበረ ንኣል-ቃይዳ ምቹው ሃዋሁ ፈጢሩሉ‘ዩ ይብል።

ንሱ ወሲኹ “ንገለ ሕቡእ ሜላ፣ታክቲክን ስትራተጂን ንምፍታን ምቹው ከባቢ‘ዩ።ሎሚ‘ውን እንተኾነ ብዝተወሰነ መዐቀኒ ምብራቅ ኣፍሪቃ ተኸዊሎም ዝንቀሳቀስሉ ዞባ‘ዩ”ይብል።

ሽሮይደር ወሲኹ፣ድሕሪ 11 መስከረም ኣሜሪካ ንስግኣት ፈጠራ ራዕዲ ኣፍልጦ ስለዝሃበትሉ፣ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ህላዌኣ ኣስፊሓ‘ላ ይብል
ድሕሪ ኣብ ኤምባሲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ቦምብ 1998፣ዳርጋ እቲ ዞባ ዝተረሰዐ‘ዩ ኮይኑ ነይሩ።11 መስከረም ዓይኒ ዝነቀሐሉ ዕለት‘ዩ።ንኣል-ቃይዳ ክንፈልጥን ብደረጃ ዓለም ተነፅሎን ፅልውኡ ንክሽምርረን ፃዕሪታት ተገይሩ‘ዩ” ይብል።

ሎሚ እቲ ስግኣት መልክዑ ቀይሩ‘ሎ።መጥቃዕቲ ናይሮቢን ዳሬሰላምን ብማእከላይ እዚ ኣል-ቃይዳ ብትእዛዝ ኦሳማ ቢን ላደን‘ዩ ተፈፂሙ።ኣብ‘ዚ መዋእል‘ዚ፣ትኹረት ናብ እስላማዊያን ጉጅለ ፈጠርቲ ራዕዲ ኣል-ሸባብ ዘይሩ‘ሎ።ምክትል ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ካርል ዋይኮፍ።

ኣል-ሸባብ ቀንዲ ስግኣት ምብራቅ ኣፍሪቃ‘ዩ።ብካልእ ኣባሃህላ፣ኣል-ሸባብ ስግኣት ፈጠራ ራዕዲ ጥራሕ ኣይኮነን፣ካብኡ ሓሊፉ ንሶማልያን ንመላእ‘ቲ ዞባን ጠንቂ ህድኣት‘ውን’ዩ።

ኣል-ሸባብ ምስ ኣል-ቃይዳ ስጡም ርክብ ኣለዎ።ንኣብነት-ንቦምባዊ ጥቅዓት ኤምባሲታት ዝመርሐ ፋዙል ሓሩን ኣባል ኣል-ቃይዳን ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣል-ሸባብን‘ዩ ነይሩ።

እቲ ቅርፂ ናይ ስልጣን ግና ዝተሓላለኸ‘ዩ።ኣል-ሸባብ ዓሌታዊ ውዳበ እውን‘ዩ።ገሊኦም ኣባላቱ ንኣድማሳዊ ጅሃድ ዝቃለሱ፣ገሊኦም ድማ ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ጥራሕ ተሓፂሮም ዝዋግኡ‘ዮም።

ኣሜሪካ ነዚ ስግኣት‘ዚ ንምቁፅፃር ከም መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ከምዝኣምሰሉ ዞባዊ መንግስታት ተሓባቢራ ትሰርሕ ይብሉ ሚስተር ካርል ዋይኮፍ “ነገራት ከመይ ይኸዱ ከምዘለው ንምግላፅ ዝኣክል፣ንኣብነት ኣብ 1998 ዓም ኣብ ኤምባሲታትና ንዝተፈፀሙ መጥቃዕቲ ዝመርሐ ሃሩን ፋዙል፣ ብሓይልታት መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ሞቃዲሾ ተቀቲሉ‘ሎ።ሶማልያውያን መሻርኽትና ካብ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ መሻርኽትና ሓገዝ ንክረኽቡ ንገብር ኣለና” ይብሉ።

ኣሜሪካ ነቲ ተበግሶ መስርሕ ሰላም ጂቡቲ ዝባሃልን ንምርግጋእ ሶማልያን ዝዓለመን መደብ ትድግፍ‘ያ።እቲ ደገፍ ሕ/መ ዝኸሰበ መንገዲ ሰላም፣ኣብ‘ዚ ቀረባ መራሕቲ ሶማልያ ናብ ሃገራዊ ምርጫን ሓድሽ ሕገ-መንግስቲን ንከቋምቱ ሓጊዙ‘ዩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣሜሪካ ኣንፃር ዒላማታት ኣል-ሸባብ ሕቡእ ወፍሪን ደብዳብ ሚሳይልን ትፍፅም‘ያ ዝብል ሪፖርት ኣሎ።ማርክ ሽሮይደር ”ኣሜሪካ ከምኡ ዝዓይነቱ ሕቡእ ህላዌን ዓቅሚን ንዓመታት ነይሩዋ‘ዩ። ከምኡውን ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ፍሉይ ወፍሪ ክትፍፅም ፀኒሓ‘ያ። ዝዝውተር ኣይኮነን።ግን ይፍፀም‘ዩ” በለ።

ሰበ-ስልጣን ሶማልያ፣ኣብ ውግእ ፀረ-ኣልሸባብ ዝተረኽበ ዓወት፣ንምቅባፅ‘ቲ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ ፈላማይ ምዕራፍ‘ዩ ይብሉ።

እንተኾነ መንግስቲ ኣልቦ ኮይና ንዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ዝዘለቀት ሶማልያ፣ሎሚ‘ውን ንምጭጫሕ ፈጠርቲ ራዕዲ ጥጡሕ ሃዋሁ ዘለዋ ሃገር ኮይና‘ላ።

XS
SM
MD
LG