ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ 11 መስከረም ሸበራዊ ጥቕዓት እምነታ ዝቐየረት ኣሜሪካዊት


ቤተሰባ ግን ኣይተቐበልዋን

እስላማውያን ፈጠርቲ ራዕዲ፣ኣብ ልዕሊ ዩ-ስ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሞም፣ገለ ኣሜሪካውያን ኣብ ልዕሊ ምስልምና ቁጠዐዖም ክገልፁ ከለው፣ገሊኦም ግና ህውኽ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ተቆጢቦም። ንዛንታ ኣብ‘ቲ ዕለት ብጠንቂ ዝተፈፀመ ጥቅዓት፣ኣብ ልዕሊ ምስልምና ሕርቃና ኣይገለፀትን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ንምስልምና ናይ-ገዛእ ርእሳ እምነት ገይራቶ‘ላ ንዝተባሃለት ኣሜሪካዊት ክነቅርበልኩም።

ፍሎሪዳ ኣብ‘ዚ ወቅቲ‘ዚ ሃሩር’ዩ።ሳፊያ ኣል-ካሳብይ ናብ ሓደ ሹቅ ማእከላይ ምብራቅ ትኣቱ‘ላ። ካብ‘ቶም ኣብ‘ቲ ሹቅ ዝኣተው ካልኦት ሙስሊማት ፍልይ ዝበለት‘ያ።ንዓረብኛ ፅቡቅ ገይራ ኣይትኽእሎን።ቅዲ ክዳና ምዕራባዊ‘ምበር፣ከም‘ተን ካልኦት ሙስሊም ደቂ-ኣነስትዮ ሒጃብ ኣይትለብስን’ያ።ንሳ ክትዛረብ ከላ ”ተሸፊነ ናብ ሽቃት ክኣቱ ከለኹ፣ሰባት ይፈርሑ‘ዮም።ናይ ብሓቂ‘ዮም ዝፈርሑ።ንሕና ሰባት ንዘይፈልጦ ነገር ፍርሂ ኣለና” ትብል።

ኣል-ካሳብይ፣መንፈሳዊ ትርጉም ንምርካብ ሓያል ምርምር ከምዝገበረት ትዛረብ።ቁሩብ ዓመታት ድሕሪ ሸበራዊ ጥቅዓት 11 መስከረም ትብል ንሳ፣ ንዕረፍቲ ናብ ሞሮኮ ከምዝተጓዓዘት ትዛረብ።ሽዑ ሙስሊም ንክትከውን ከምዝወሰነትን፣ንሓደ 22 ዓመት ብዕድመ ትበልፆ ግብፃዊ መንእሰይ ከምዝተመርዐወት ገለፀት።ኤልሳቤጥ ቶረስ ዝብል ሽም ገዲፋ ኣል-ካሳባይ ክትባሃል መረፀት።

ቤተ-ሰብ ኣል-ካሳብይ ኣንፃራ‘ዮም ተላዒሎም።ኣባል ሰራዊት ዩ-ስ ዝነበረ ባዓል-ቤታ ኣብ ኲናት ዝተቀተላ ጓላ ስይልቭያ፣ንኣዲኣ ኣይተዘራርባን።ንሳ ስልቭያ ክትዛረብ ከላ ”እሞ ኣዴኺ ፈጣሪት ራዕዲ ኮይና ማለት ድዩ ይብሉኒ።ኣነ ድማ፣ከምኡ ኣይኮነን፣እቲ ግፍዒ ካብ‘ቲ ሃይማኖት ዝተፈለየ‘ዩ ይብሎም” በለት።

10 ዓመት ድሕሪ 11 መስከረም 2001‘ውን እንተኾነ ኣል-ካሳብይ ንነገራት ኣይለመደቶምን ዘላ።11 መስከረም ክዝከር ከሎ፣ጌገኛታት ሰባት‘ምበር እምነት ኣይኮነን ባሃሊት‘ያ።

XS
SM
MD
LG