ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቅፅል 5 ዓመት ንሃገሮም ካብ ምልማን እኽሊ ክገላግላ'ዩ ኢሎም ኣቶ መለስ ዜናዊ


ኢህወዴግ ሻምናይ ጉባኤኡ ኣብ ናዝሬት የሳልጥ'ሎ

ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ናይ ሓደ ሽሕ ዓመት ጉዕዞ ከም ሽንቲ ግመል ተቀልቢሱ፣ኣብ ጎደና ምዕባለ ብናህሪ ንጓዓዝ ኣለና።እዚ ናህሪ‘ዚ እንተዓቂብናዮ ኣብ ዝቅፅሉ ዓሰርተ ዓመታት፣ካብ ሕሱም ድኽነት ተገላጊልና፣ኣብ ሞንጎ ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ክንፅምበር፣ኣብ ዝቅፅሉ ሓምሳ ዓመታት ድማ ኣብ ሞንጎ ምዕቡላት ሃገራት ክንሕወስ ምኻና ሓባሪ ምልክት ንሪኢ ኣለና።ብካልእ ኣዘራርባ፣ ግንባርና ዝሓንፀፆ ልምዓታዊን ዴሞክራስያዊን መስመር ቃልሲ፣ህዳሴ ኢትዮዽያ ዝረጋገፀሉ መስመር ኮይኑ‘ሎ" ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስትር መለስ ወሲኾም ኢህወዴግ ኣውራ ፓርቲ ምኻኑ ሓደ ነገር ኮይኑ፣ስርዓተ-ዴሞክራሲ ዝበፅሖ ደረጃ ዓቂብና ናብ ዝበለፀ ፅፍሒ ንምስግጋርን ኣብ‘ቲ ኣውራ ፓርቲ መስርሕ ምትኽኻእ ጋህዲ ዝኾነሉን ስልቲ ውዳበ ህዝቢ ናብ ብሉፅ ደረጃ ዝበፅሓሉን ኣገባብ ንምጥጣሕ ሓላፍነት ፀይሩ‘ሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG