ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

43 ኢትዮጵያዊያን ስኣን ኣየር ተዓፊኖም ከምዝሃለቁ ተፈሊጡ


ፅዒኑዎን ዝነበረ ዘዋሪ መኪና ይህደን ኣሎ

ብዘይ ሕጋዊ ኣዛወርቲ ኣብ ናይ ኣቑሑት መፅዐኒ መኪና ተፃዒኖም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ይጉዓዙ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት እንተወሓደ 43 ኢትዮጵያዊያን ስኣን ኣየር ተዓፊኖም ምማቶም ሰበስልጣን ታንዛኒያ ኣፍሊጦም።ካልኦት ኣብ ወሰን መንግዲ ዝተደርበዩ 70 ሰባት ድማ ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ዘዋሪ እታ ናይ ፅዕነት መኪና ገለ ካብቶም ዝፀዓኖም ሰባት ምማቶም ምስፈለጠ ንቶም ዝሞቱ ናብ ጫካ ብምድርባይ ንቶም ዝደኸሙ ድማ ኣብ ወሰን ፅርጊያ ገዲፉዎም ከምዝሃደመ ፀብፃባት ዜና ሓቢረን ኣለዋ።እቲ ዘዋሪ መኪና እናተሃደነ ምዃኑ’ውን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ AFP ንሓደ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ብምጥቃስ ፀብፂባ’ላ።

ምኽትል ምንስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ታንዛኒያ ፐሪያ ሲሊማ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ብዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ክንዲ ዝኣክል በዝሒ ዘለዎም ሰባት ክሞቱ ዘሕዝን እዩ ኢሎም።

እቶም ብህይወት ዝተረፉ ስዱዳት ሕክምና ይወሃቦም ከምዘሎን ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ከምዝርከብዎምን ሰበስልጣን ታንዛኒያ ኣፍሊጦም ኣለው።

ቅድም ክብል እውን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ቓላይ ማላዊ ጠሊቓ 47 ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪካ ህይወቶም ምስኣኖም ይፍለጥ።

ታንዛኒያ ዝሐሸ ዕድላት ኢኮኖሚ ናብ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪካ መተሓላለፊት ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት እያ።

XS
SM
MD
LG