ኣርባዕተ ኢትዮዽያውያን መናእሰይ፣ዝመፅእ ሰሙን ኣብ‘ቲ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ምስ 120 ኣፍሪቃውያን መናእሰይ ዝራኸብሉ መድረኽ መፃኢት ኣፍሪቃ ንክሳተፉ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ክመፁ‘ዮም።ካብኦም ሓደ መንእሰይ ዮሃንስ መዝገበ‘ዩ።
መንእሰይ ዮሃንስ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ምክትል ኣቦ-መንበር ማሕበር መናእሰይ ፓን ኣፍሪቃ'ውን'ዩ።ንሱ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-ምልልስ፡መራሕቲ መናእሰይ ኣፍሪቃ ስሙር መርገፂ ሒዞም ናብ ዋዕላ ዋሽንግተን ዲ-ሲ ንክመፁን ምስ ፕረዚደንት ኦባማ ንክዘራረቡን ዛጊድ ፃዕሪ ጀሚረ'ለኹ ይብል።
ፕረዚደንት ኦባማ ነቲ ዝጀመርዎ ከየቓርፅዎ ክሓትት'የ'ውን ይብል