ከም ጽብጻብ ሪፖርተር ሰናይት ሃብቱ ፡መኽፈቲ ውድድር CECAFA 2010 ብውዕውዕ ስነስርዓት`ዩ ተኸፊቱ።ስታድየም ኣስመራ ካብ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዙ ንመጀመርያ እዋን ዝበዝሑ ተዓዘብቲ ከምዘተኣናጋደት`ውን ተገሚቱ`ሎ። ኣብ`ቲ መኽፈቲ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዝተጋጠማ ሃገራውያን ጋንታታት ታንዛንያን ኤርትራን ክኾና ኸለዋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንታንዛንያ ሓደ ንባዶ ስዒራታ።እታ ሸቶ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣብ መበል 43 ደቒቕ፡ ሓለቓ ጋንታ ኣብርሃም ቴድሮስ ብዘመዝገባ ፍጹም ቅላዕ`ያ ተመዝጊባ። ይኹን`ምበር ኣብ ካልኣይ እብረ ናይቲ ጸዋታ ብሃገራዊት ጋንታ ታንዛንያ ተዓብሊላ ኔራ።
ዝቐጸለ ውድድር CECAFA ትማሊ ሰንበትን ሎምን`ዩ ትኻይዱ። ትማሊ ጋንታ ዛንዚባር ምስ ዕድምቲ ጋንታ የመን፡ ከምኡ`ውን ሶማል ምስ ጋንታ ሱዳን ተጋጢመን ኔረን። ዛንዚባር ንየመን ክልተ ንሓደ ክትስዕራ ኸላ፡ ሱዳንን ሶማልን ድማ ማዕረ ባዶ ወጺአን።
ሎሚ ሰዓት 5ተ ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ጋንታታት ኡጋንዳን ርዋንዳን ተኻይዱ ኔሩ። ኡጋንዳ ነቲ ጸወታ ብምዕብላል 3ተ ንሓደ ብዝኾነ ውጽኢት ስዒራላ`።
ሓሙስ፡ ታንዛንያ ምስ ሶማልያ፡ ኬንያ ምስ ሶማል ክጋትጠማ`የን።