እቲ ዓመታዊ ሪፖርት ብመሰረት ባይቶ U.S ኣብ 1998 ዘውጽኦ ሕጊ ዝትግበር ኮይኑ ንመሰል ሃይማኖት ንዝጠሓሳ ንማዕቀብ ዘቃልዕ`ዩ። ይኹን`ምበር ዕላማ ናይቲ ሪፖርት ንሃገራት ንምቕጻዕ ዘይኮነስ ሃገራት ዘለወን መዝገብ ሰብኣዊ መሰል ንኸማሓይሻ ንምትብባዕ`ዩ ይብሉ ሰበ-ስልጣን ምንስትሪ ወጻኢ።
ኻብ መንጎ`ተን በቲ ሪፖርት ዝተገምገማ ዳርጋ 200 ዝኾና ሃገራት 8ተ ሃገራት`የን ኣብ ዘተሓስስብ ደረጃ ዝረከባ ተባሂለን ተጠቒሰን ዘለዋ፡- በርማ፡ ቻይና፡ ኤርትራ፡ ኢራን፡ ሰሜን ኮርያ፡ ስዑዲ-ዓረብ፡ ሱዳንን ኣፍጋኒስታንን።
ተወሳኺ ሓበረታ ንምስማዕ ናብ መስምዒ ምልክት ኪዱ