ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቕ ውድብ ዓፋር (ARDUF) ዝሓዝክዎም ኤውሮጳውያን ናብ ውሑስ ቦታ ከይወስዶም መንግስቲ ኢትዮጵያ የተዓናቕፍ ኣሎ ይብል


ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌና ሓዲሽ መጥቃዕቲ ከፊቱ`ሎ ውን ይብል፡ ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዝተሰምዐ ርኢቶ የለን

AFPን ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ዓፋርን ንARDUF ብምጥቃስ ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌና ሓዲሽ መጥቃዕቲ እናኸፈቱ ነቶም ጀርመናውያን ከይንፈትሖም የተዓናቕፉ`ለዉ ይብሉ። እቶም ዝተጨውዩ ቱሪስት ኣብ`ቲ ጎንጺ እንተተቐቲሎም፡ ተሓታቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ`ውን ኽብሉ`ውን ኣሰሚዖም ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሽምግልና ዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ከፍትሖም ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።

ፕረሲደንት ውድብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዓፋር፡ ገዓስ ኣሕመድ ኑር፡ ምስ ሽማግለ ዓዲ ምስራሕን፡ በቲ መጥቃዕቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ተሓታቲ ምግባርን ዝገራጮ`ዩ ይብሉ።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

Recommended

XS
SM
MD
LG