AFPን ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ዓፋርን ንARDUF ብምጥቃስ ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌና ሓዲሽ መጥቃዕቲ እናኸፈቱ ነቶም ጀርመናውያን ከይንፈትሖም የተዓናቕፉ`ለዉ ይብሉ። እቶም ዝተጨውዩ ቱሪስት ኣብ`ቲ ጎንጺ እንተተቐቲሎም፡ ተሓታቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ`ውን ኽብሉ`ውን ኣሰሚዖም ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሽምግልና ዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ከፍትሖም ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።
ፕረሲደንት ውድብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዓፋር፡ ገዓስ ኣሕመድ ኑር፡ ምስ ሽማግለ ዓዲ ምስራሕን፡ በቲ መጥቃዕቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ተሓታቲ ምግባርን ዝገራጮ`ዩ ይብሉ።
ንምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡