ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኣዋርሕ ሓርፊፉ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ናብ ንቡር ይምለስ'ሎ ይብሉ ቀዳማይ ምንስተር መለስ


መለስ ዜናዊ
መለስ ዜናዊ

ኣብ ስቶክሆልም ስዊድን ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ግና ክዕፆ ተወሲኑ

ንኣዋርሕ ኣብ ውጥረት ዝፀንሐ ርክብ ኢትዮዽያን ኣሜሪካን ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ ቀዳማይ ምንስቲር መለስ ዜናዊ ገሊፆም።ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጥቅምቲ መንግስታዊ ዳግም-ምትዕርራይ ኣብ ዝትግበረሉ እዋን ምደባ ኣምባሳደራት‘ታ ሃገር‘ውን ከምጠቃልል እቶም ቀዳማይ ምንስቲር ሓቢሮም።

እቲ ንዝሓለፉ 6 - 7 ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎና ዝነበረ ዝተበላሸወ ርክብ ብዕዙዝ መልክዑ ኣብቂዑ‘ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ብፅኑዕ ዝኣምኑሎም ናይ ርእሶም መርገፂታት ኣለዎም።ንሕና‘ውን ብወገና ካብ ኣሜሪካ ብዝተፈለየ መንገዲ፣ብፅኑዕ ንኣምነሎም ናይ ባዕልና መርገፂታት ኣለውና።ኣብ‘ቶም ዘይንሰማማዓሎም ነገራት ንከይንሰማማዕ ተረዳዲእና ኢና። ኣብ‘ቶም ሓባራዊ ረብሓታትና ድማ ሓቢርና ንክንሰርሕ ተሰማሚዕና‘ለና ኢሎም እቶም ቀዳማይ ምንስቲር።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኢትዮዽያ ኣብ ዋሽንግተን ዝውክላ ኣምባሳደር ክሳብ ሎሚ ዘይመደበትሉ ኩነታት ኣቶ መለስ ቅቡል‘ዩ ኢሎምዎ።እቲ ናይ ዋሽንግተን መዝነት-ኣምባሳደር ድሕሪ‘ቶም ተመዲቦም ዝነበሩ ኣምባሳደር ዓሚ ንኢትዮዽያ ምምላሶም ክፉት ኮይኑ‘ዩ ዘሎ።ኣቶ መለስ ዜናዊ ግና፣ሓድሽ ኣምባሳደር ዝምደብ ምምሕዳሮም ዳግም ኣብ ዝወዳደበሉ ጊዜ ከምዝኸውን‘ዮም ዝዛረቡ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮዽያን ስዊድንን ትርጉም ዘለዎ ምዕባለኣዊ ርክብ ኣይፀንሓናን።ኣብ ሞንጎና ትርጉም ዘለዎ ንግዳዊ ርክብ የለን።ካብ ስዊድን ዝመፅእ ዝጠቅም ኢንቨስትመንት የለን።ብካልእ ወገን ኣብ ብራዚል ኢምባሲ የብልናን።ብራዚል ግና ትዓቢ ዘላ ሃገር‘ያ።ስለዚ ኣብ መላእ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ህላዌና ኣብ ንግምግመሉ እዋን፣እቲ ቀዳማይ ክዕፆ ኣለዎ ንብሎ ቤት-ፅሕፈት ኣብ ስዊድን ዘሎ ኢምባሲ‘ዩ።ኣብ‘ታ ሃገር ዘሎ ኢምባሲ ዓቂብካ ምፅናሕ ረብሓ የብሉን ባሃላይ'ዮም ኣቶ መለስ ዜናዊ።

ቀዳማይ ምንስቲር መለስ ዜናዊ ኣብ‘ቲ ናይ ትማሊ መግለፂኦም ዝተዛረብሉ ካልእ ነጥቢ፣እቲ ምምሕዳሮም ሓንፂፅዎ ዘሎ ቁጠባዊ መደብ 5 ዓመት ዓመት፣ኢትዮዽያ ካብ ረድኤት እኽሊ ከናግፋ‘ዩ ዝብል‘ዩ።እቲ ዝሓለፈ ሳምንት ዕላዊ ዝኾነ ውጥን፣ቁጠባ ኢትዮዽያ ዓመታዊ ካብ 11 ክሳብ 14 ሚእታዊ ከምዝዓቢ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG