ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንእሰያት ወከልቲ 5ተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ኣካይዶም


እቲ ዋዕላ ኣብ ሰላም ጸጥታን፡ ቀጻሊ ምዕባለን ሃገራት ዝዝትን ፡ መንእሰያት ብድሆታቶም ንምግጣምን ሽግራቶም ንምፍታሕን ዝሕግዞም ሓባራዊ መረዳእታ ንምርካብን ዝዓለመ`ዩ ኔሩ

ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 23 ሓምለ 2010 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ 9ተ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ዝቐረቡ ኽኾኑ ኸለዉ፡ ንኣገዳስነት ምፍታሕ ግርጭታት፡ ንቐጻሊ ሰላምን ምዕባለን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ መንእሰያት ዝህልዎም ተጠባቕነትን ፡ ንመራከቢ ብዙሓንን ዜናን ዝምልከቱ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም።

ነቲ ዋዕላ፡ ሃገራዊ ምሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ`ዩ ወዲብዎ።”ሓባራዊ መረዳእታ ከየማዕበልካ፡ ብዛዕባ ጥዑይ ጉርብትና ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ” ይብል ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሱልጣን ስዒድ። ኩነታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ብምዃኑ ተመሳሳሊ ጸገማት ንምብዳህ ዘኽእል ሓባራዊ መረዳእታ ናይ ምፍጣር ዕድል ኣሎ ይብል ኣብ ኮለጅ ኪነ-ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ዝምህር መንእሰይ ሳልሕ ዑመር።

መንእሰያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ዝዝትይሉ መድረኽ ከይተፈጥረ ነዊሕ ከምዝጸንሐ ዝገልጹ እቶም ኣሰናዳእቲ ዋዕላ፡ ዝበጋገሱ ዘለዉ ፈተነታት`ውን ንኹሉ`ቲ ዝምልከቶ መንእሰይ ኣብ ምሕቛፍ ጸገም ከጋጥሞም ከምዝጸንሐ ይግልጹ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዋዕላ መንእሰያት ዝተሳተፋ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ኤርትራን ሶማልያን`የን።

ንምሉእ ትሕዝቶ መደብ መንእሰያት ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ

XS
SM
MD
LG