ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝነበሩ 4ተ እንግሊዛውያን ምስ ቤተሰቦም ምርኻቦም ወሃቢ ቓል PVI ንVOA ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ ኣረጋጊጹ


ንምፍትሖም ንዝሸምገለ መንግስቲ ቐጠር ብምምስጋን፡ ምስ ኤርትራ ንዘጋጠመ ዘይምርድዳእ ዳግም ይቕረታ ሓቲቱ

ዲረክተር ኣህጉራዊ ሓለዋ መራኽብ (PVI) Paul Gibbins፡ እቶም 4ተ እንግሊዝውያን ትማሊ ምሸት ብሪጣንያ ድሕሪ ምእታው ምስ ስድራቤታቶም ከምዝተራኸቡን፡ ምስ ምሉእ ጥዕንኦም ከምዝመጹን ገሊጹ።

“ንምፍትሖም ዝኸፈልናዮ ካሕሳ የለን፡ ንኽንከፍል ዝተሓተትናዮ`ውን የለን” ዝበለ ወሃቢ ቓል PVI፡ ኣብቲ መጀመርያ ዝነበረ ኩነታት ”ዕዳና ክንከፍል ብዙሕ ጽዒርና፡ ኣብ ክልተ ባንክታት ክንከፍል 2ተ ግዜ ጽዒርና፡ እንተኾነ መስመራት መራኸቢ ኣዝዩ ኣጸጋሚ`ዩ ኔሩ፡ ስርዓት ባንኪ ኤርትራ`ውን ኣጸጋሚ`ዩ ኔሩ” ኢሉ።

Mr. Paul ኣብ መወዳእታ ካብ`ቲ ምስ ኤርትራ ዘጋጠመ ነገር ዝተማሃርዎ ነገር ክዛረብ ከሎ፡ ነቲ ኹነታት ብደቂቕ ገምጊምና ክንርዳእ ኢና ድሕሪ ምባል፡ “መርከብና ክነተዓራርን፡ ነዳዲ ክንመልእን እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ዝኾነ ይኹን ናይ ቅንጸላ ኾነ ናይ ስለያ ዕላማ ፍጹም ኣይነበረናን፡ ግን ሓቂ`ዩ ኸምቲ ዝግባኣና ኣይገበርናን፡ ነዚ`ውን ንፕረዚደንት ኤርትራ፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ በቲ ዘጋጠመ ዘይተሓስበ ነገር ይቕረታ ሓቲትና ኢና” ኢሉ።

ንምሉእ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG