ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ኣመሪካና፡ ብዛዕባ ክፍለ-ግዝኣት ሃዋዪ(Hawaii) የዘንቱ


USS Bowfin Submarine Museum
USS Bowfin Submarine Museum

ቅድሚ 70 ዓመት ጃፓን ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ`ዚ ወርሒ`ዚ ኣብ`ታ ክፍለ ግዝኣት ተዘኪሩ ኔሩ

Pearl Harbor ኣብ እዋን ካልኣይ ኹናት ዓለም፡ ዓበይቲ መራኽብ ኹናት ኣመሪካ ተዓሺገናሉ ዝነበራ ናይ ሃዋዪ ወደብ`ዩ። 7ተ ታሕሳስ 1941 ሰዓት 8ተ ናይ ንግሆ ግን፡ ልዕሊ 300 ዝኾና ነፈርቲ ውግእ ጃፓን በዚ መጻ ከይተባህላ ኣብ ልዕሊ`ተን መራኽብ ኣመሪካ ድምሳሳይ ዝኾነ መጥቃዕቲ ፈጺመን። ኣብ ሓንቲ ረፍዲ ልዕሊ 2ተ ሺሕ ኣመሪካውያን ሃሊቖም።

ሎሚ ሃዋዪ፡ ብተፈጥሮኣዊ ጽባቔኣ፡ ብቱሪስት መስሕብነታን፡ ሃብታም ታሪኻን ትፍለጥ። ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ንሃዋዪ ኣብ ዝገሽኩሉ እዋን፡ ምስ ካብ መጥቃዕቲ Pearl Harbor ዝተረፉን፡ ምስ ሓንቲ Eunice Chebet Kimunai ዝተባህለት ኬንያዊት በጻሒትን ዝገበርክዎ ወግዒ፡ ናተይ ትዕዝብቲ ወሲኸ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ፡

Eunice
Eunice

ንምሉእ መደብ ኣመሪካና ኣብ ምልክት ድምጺ ብምጽቃጥ ምስማዕ ይክኣል

XS
SM
MD
LG