ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራን ጅቡቲን ቃጣር ክትሽምግለን ተሰማምዔን


ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂን ናይ ጁቡቲ ፕረዚደንት ኢስማዔል ዖማር ጉሌህን መንግስቲ ቃጣር ንክሽምግል ውዕል ከምዝፈረሙ ተገሊፁ።

ኤርትራን ጅቡቲን ቃጣር ክትሽምግለን ተሰማምዔን

ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂን ናይ ጁቡቲ ፕረዚደንት ኢስማዔል ዖማር ጉሌህን መንግስቲ ቃጣር ነቲ 2 ዓመት ዝገበረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ንክሽምግል ውዕል ከምዝፈረሙ ተገሊፁ።

መንግስቲ ዝውንኖ አገልግሎት ዜና ቃጣር ከምዝበሎ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂን ናይ ጁቡቲ ፕረዚደንቲ ኢስማዔል ዖማር ጉሌህን ነቲ ውዕል ዝፈረሙ ብሰኑይ’ዩ።

ወታሃደራት ኤርትራ ካብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢ ዶብ ከምዝሰሓቡ ተዓዘብቲ ቃጣር ድሮ መስኪሮም’ለው ኢሉ’ሎ። እዚ ስጉምቲ ግና ኣብ ሓፈሻዊ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ዘርኢ ኣይኮነን ይብል እቲ ዜና።

አገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኸኣ፡ብጄነራል ሓመድ ቢን አሉ ኣል ኣትልያህ ዝተመርሐ ሓደ ወታሃደራዊ ጉጅለ ቃጣር ነቲ ከይዲ ሽምግልና ንምሕጋዝ ሎሚ ኣብ ጅቡቲ ኣትዩ’ሎ ኢሉ። ብርክት ዝበሉ ኣማእት ወታሃደራት ቃጣር ኣብ ክልቲኡ ወገን’ቲ ዶብ ክዋፈሩ’ዮም ክብል’ቲ ኣገልግሎት ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኤርትራን ጁቡትን ዝገበረኦ ስምምዕ ብሓጎስ ተቀብልዎ’ሎ።

ንምሉእ ትሕዝቶ’ዚ ሪፖርት ኣብ’ዚ ጠውቑ

XS
SM
MD
LG