ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብ ዓረና ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ኣኼባ ተፀሚዱ’ዩ ነይሩ፡፡
ዕላማ እቲ ኣኼባ እቲ ውድብ ኣብ ዘጋጠሞ ውሽጣዊ ፀገም ንምዝታይ ምንባሩ ተነጊሩ’ሎ፡፡ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ሕግን ስርዓትን እቲ ውድብ ዝጣሓሱ 3 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ዝወሰዱዎ ስጉምትታት ንምዕራይ ዘተ ከምዝተኻየደን ሰለስቲኦም ካብ ማእከላይ ኮሚቴነት ክእገዱ ከምዝተገበረን ይገልፁ፡፡
እቶም ሰባት ተናሲሖም ጌገኦም እንተኣርኒቦም ናብቲ ዝነበርዎ ንኽምለሱ ዕድል ተዋሂብዎም ከምዘሎ ዝገለጹ ኣቶ ገብሩ፡ ኣባላት እቲ ውድብ ኮይኖም ክቕፅሉ ግና ከምዘይተኸልኡ ሓቢሮም።
ሓደ ካብቶም ዝተኣገዱ መምህር ገብረኣረጋይ ኣስናቀ ምላሽ ክህቡ ተሓቲቶም መግለፂ ካብ ምሃብ ተቖጢብና`ለና ይብሉ።
ብኻልእ ወገን ኣይተ ገብሩ ኣስራት ኣብ መረፃ 2002 ዓረና ትግራይ ካብ ህዝቢ ንዝረኸቦ ድምፂ ብሽም ውድቦም ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
ኣይተ ገብሩ ለምዘበን መረፃ ኣይተኻየደን ዝብል ውልቃዊ እምነቶም ምዃኑ ድማ ገሊፆም እዮም፡፡
ግርማይ ገብሩ ንኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ንኣይተ ገብሩ ኣስራት ሓቲቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ ንምስማዕ ኣብቲ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡፡