ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈስቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ታዛዚሙ


Opening Ceremony
Opening Ceremony

ኣብ ኣትላንታ ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ መበል 25 ዓመት ኢዮቤልዩ ፈቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ፡ ዝሓለፈ ሰንበት 11 ሓምለ 2010 ከምዝተዛዘመ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ

ኣብቲ ውድድር 18 ናይ ዓበይቲ፡ 25 ድማ ናይ ትሕቲ-ዕድመ ጋንታታት ዝተሳተፋ ክኾና ኸለዋ፡ ንዋንጫ ዝተጋጠማ ጋንታ ባልቲሞር ፈንቅል ምስ መነሶታ ቀይሕ ባሕሪ እየን ነይረን። ባልቲሞር- ፈንቅል ድማ ሻምፒዮን 25 እዮቤልዩ ብምዃን ተዓዋቲት ጋንታ ኾይና`ላ።

ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮም ኣትላንታ፡ ኣብ እዋን መኽፈቲ`ቲ ፈስቲቫል ዘቕረብዎ ምድላው ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብልጽ ዝበለ ከምዝነበረ ዝገለጸ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣቶ ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ እቲ ምርኢት ንትሽዓተ ብሔራት ኤርትራ ዘንጸባርቕ፡ ናይ መንእሰያት ሳዕስዒትን፡ ናይ ዓበይቲ ባህላዊ ኣከዳድናን ኻልእን ዘጠቓልለ ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ፈጻሚ-ኮሚቴ ፈደረሽን ስፖርት ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ስልጣኑ ንሓድሽ መሪሕነት ከምዘረከበ ኣቶ ብርሃነ ሓቢሩ`ሎ፡፡ በዚ መሰረት ሓዲሽ ፕረዚደንት ኾይኑ ዝተመዘዘ ኣቶ ዮሴፍ መብራህቱ ካብ ጋንታ ሳንታ ክላራ፡ ተሓዚ ገንዘብ ድማ ኣቶ ኣብርሃም ኣርኣያ ካብ ጋንታ ሰላም ኣትላንታ ዝርከብዎም ሾብዓተ ኣባላት ተመሪጾም ኣለዉ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ

XS
SM
MD
LG