ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት


ኢትዮጵያ ትርከበሉ ዞባ ሓደገኛ ምስ ምኻኑ ክዛመድ ይግባእ'ውን ይብሉ ጋሻና

ኣብ ሓደ እዋን ኣማኻሪ ፖሊሲ ኣፍሪቃ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ፣ኣብ‘ዚ እዋን ድማ ሓላፊ ቦርድ ፀረ ብልሽውና ሕብረት ኣፍሪቃን ምምህር ፖሊሲ ስነ-ህዝቢ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶ/ር ቆስጠንጢኖስ በርሀ‘ዮም ናይ ሎሚ ጋሻና።በትረ ስልጣን‘ዩ ኣዘራሪብዎም።ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ንኢትዮዽያ ምንጪ ስግኣት ኮይኖም ዝነበሩ ፀገማት ክገልፁ ከለው ዶ/ር ቆስጠንጢኖስ፣ጉዳይ ደቡብ ሱዳን፣ሶማልያን ኲናት ምስ ኤርትራን እቶም ኣገደስቲ ምኻኖም ይገልፁ።

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮዽያ ምስ ተቃወምቲ ዘለዎ ርክብ ንክማሓየሽ፣ፖለቲካዊ ባይታ ኢትዮዽያ ንኩሉ ማዕረ እንተዘይኮይኑ ፀጥታ ኢትዮዽያ ክዝረግ‘ዶ ይኽእል? ንዝብል ሕቶ ዶ/ር ቆንጠስጢኖስ ክምልሱ ከለው፣ኣብ ምርጫ 97 ተቃወምቲ ዝተሓሰምዎ ዓወት ዳሓር ተመሊሱ ከምዝለከሞምን ኣብ‘ዚ ዳሕረዋይ ምርጫ ኢህወዴግ ዝተሳዓረላ ኣዲስ ኣበባ ንተቃወምቲ ምችእቲ ከምዘይኮነት ይዛራቡ።

ኩነታት ኢትዮዽያን ኤርትራን ድማ ካብ ሕቶ ባድመ ዝሰገረ‘ዩ።ክልቲኤን ሃገራት ንሓፈሻዊ ፍታሕ ክዘራረባ ከምዝግባእ‘ምበር ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁፀሩ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ዶብ ኮፍ ኣቢልካ ምቅላብን ኣፅዋር ምቅራብን ንኤርትራን ኢትዮዽያን ኣይረብሕን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG