ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዚፍ ፋብሪካ ቢራ ኣብ ትግራይ ክህነፅ'ዩ


Ethiopia
Ethiopia

ህንፀቱ 18 ኣዋርሕ ክወስድ እዩ

600 ሚልዮን ቅርሺ ዝዋግኡ ዓብይ ፋብሪካ ቢራ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ጥቓ ከተማ ማይጨው ንክህነፅ ምቅርራብ ይግበር’ሎ።
እቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝጀመረ ተበግሶ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግብራዊ ስራሕቲ ህንፀት ንምጅማር ክኢላታት ካብ ወፃኢ ሃገር ኣትዮም መፅናዕቲ እናገብሩ ምኻኑ ኣባል ቦርድ ኣመራርሓ ራያ ፋብሪካ ቢራ ኣቶ ኣበራ ጣሰው ገሊፆም።እቲ ዝፅሞቅ ቢራ "ቢራ ራያ" ዝብል መፀውዒ ክህልዎ እዩ።
ፋብሪካ ቢራ ራያ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይፅሞቑ ዝነበሩ ከም ቢራ ኣብ ታኒካ ፡ፓስተራይዝድ ድራፍትን ዘይ-ኣልኮላዊ ቢራን ብምድላው ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀዳምነት ዝሕዝ ፋብሪካ ከምዝኸውን ኣቶ ኣበራ ጣሰው ሓቢሮም።እቲ ህንፀት 18 ኣዋርሕ ከምዝውድእን ክዛዘም ከሎ ልዕሊ 300 ሰርሕተኛታት ከምዝህልዎን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG