ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኦባማ ምስ መናእሰይ መራሕቲ ኣፍሪቃ ተራኺቦም


ነዓማ ኣሕመድ
ነዓማ ኣሕመድ

ንምዕሳል ዴሞክራሲ፡ግልፅነት መንግስቲን ናፅነት ሚድያን ክሰርሑ ምዒዶም

ሚስተር ኦባማ ንኣፍሪቃ ሓዳስ ኣህጉር ኢሎም ገለፅዋ።ምኽንያቱ ክገልፁ ከለው፣መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣፍሪቃ ትሕቲ ሰላሳ ዓመት ዝዕድሚኡ‘ዩ፣ ምምሕዳሮም ድማ ምስ‘ዚ ክፍሊ ህዝቢ-ኣፍሪቃ‘ዚ ክራኸብ ድልየቱ ምኻኑ ኣይከወሉን።

እቲ ትራኸቦ ሰብ፣ከምዚ ከማይ እርግ ዝበለ ሰብ ጥራሕ እንተኾይኑ፣ ነቶም ዓቅሚ ዘለዎም፣ሓድሽ ተበግሶን ሓሳብን ዘመንጭው ሰባት ተግልሎም ኣለኻ ማለት‘ዩ።ስለዚኾነ‘ዩ፣ንቀፃላይ መራሕቲ ናብ ሓደ መድረኽ ንክነምፀኦም ኣገዳሲ ኮይኑ ዝረኸብናዮ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦባማ፣ኣብ መደረኦም፣እቶም መናእሰይ-መራሕቲ ንምዕሳል ዴሞክራሲ፣መንግስታዊ ግልፅነትን ናፅነት ሚድያን ንክሰርሑ ኣተባቢዖሞም። ከምኡውን ኣፍሪቃውያን ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ምህናፅ ስርዓተ-ዴሞክራሲ ንደቂ-ኣነስትዮ ቦታ ክህቡወን‘ውን ኣዘኻኺሮም።

ኣባል ንዴሞክራሲ ኣብ ዝሰርሕ ማሕበር ኮይንኩም እናሃለኹም፣ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ‘ቲ ማሕበር ማዕረ ድምፀን ዘየስማዓሉ እንተኾይኑ፣ሓቂ ንምዝራብ ግብዛት ኢኹም ማለት‘ዩ ኢሎም እቶም ፕረዚደንት።

XS
SM
MD
LG