ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ኣስኻሉካን ንፊፋን ኤምባሲ ደቡብ ኣፍርቃን ከሲሶም


ኣብ ልዕሊ ህይወተይ ቅትለት ንከየጋጥመኒ'የ ካብ ሃገረይ ወፂኤ'ውን ይብሉ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ንሕቶ ቪዛ ገየሽቲ ዝነፀገሉ ቀንዲ ምኽንያት እቶም ሓተቲ-ቪዛ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምትራፍ'ምበር ፅዋዕ ዓለም ንክከታተሉ ዝደልዩ ኣይኮኑን ኢሉ ስለዝደምደመ'ዩ ይብሉ ሓላፊ'ቲ ትካል።

ኣቶ ግርማይ ገብረ-ሚካኤል ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ ንሕቶ'ዞም ግዳያት ንምምላእን ገንዘቦም ንምምላልስን ዓቅሚ ኣለኒ እንተኾነ ቅድም ንሕጋዊ መስርሕ ኣጣጢሔ ናብ ዓደይ ንክምለስ'የ ድልየተይ'ውን ኢሎም።

ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጠበቃ ቆፂሮም ኣብ ልዕሊ ፊፋን መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ክሲ ከምዘእትውን ድሕሪኡ ብዙሕ ከይደንጎዩ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱን ኣረጋጊፆም።

ናይ 8 ወርሒ ነብሰ-ፆር ዝኾና ባዓልቲ-ቤቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታወን ከምኡውን ብቤት-ፍርዲ ከይተረጋገፀ መጠፋፍኢ ዝብል ፀብፃብ ግና ስክፍታ ፈጢሩለይ'ሎ ኢሎም ኣቶ ግርማይ ገ/ስላሴ።

XS
SM
MD
LG