ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኤርትርውያን- ኤርትራን ጂቡቲን ንዝኸተመኦ ውዕል ሰላም ዝተፈላለየ መርገጺ ይሕዙ


"እቲ ስጉምቲ ንኤርትራ ሓዱሽ ኣይኮነን" ኣቶ ኢብራሂም ዓብደልኑር፡ "ኤርትራ ተገዲዳ'ያ ትስሕብ ዘላ" ዶ'ር ብርሃነ ተከስተ

ኤርትራን ጂቡቲን ክሰሓሓባሉ ንዝፀንሓ መርየት ብሰላማዊ መስርሕ ንምድቃስ ዘኽእለን ውዕል ሰላም ከምዝተፈራረማ ኣብ‘ዚ ሰሙን ተገሊፁ‘ዩ።


እቲ ብሞንጎኛነት ቀጣር ዝተፈፀመ ውዕል-ሰላም ፯ ዓንቀፃት ዝሓዘን፣ ክልቲኤን ሃገራት ካብ‘ቲ ዝሳሓሓባሉ ከባቢ ክስሕባን ሞንጎኛ ሰራዊት ክትካእን ዘፍቅድ ከምኡውን እታ ሸምጋሊት ሃገር ትህቦ ብይን መወዳእታን ኣሳሪን ክኸውን‘ዩ ዝብሉ ገሊኦም‘ዮም።


ነዚ ምዕባለ‘ዚ ንክዘራረቡሉ ክልተ ኤርትራውያን ዓዲምና‘ለና።ዶ/ር ብርሃነ ተከስተን ኣቶ ኢብራሂም ዓብደልኑርን።ኣቶ ኢብራሂም፣ኤርትራ ንሰላም ዘለዋ ቅሩብነታ ደጋጊማ ኣርእያ‘ያ ክብል ከሎ ዶ/ር ብርሃነ ግና ተገዲዳ‘ያ ናብ‘ዚ ብርኪ በፂሓ ይብል።

XS
SM
MD
LG