ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምርኢት ሙዚቃ ዘርኢ ዘሎ ተስፋኣለም፡ ፍሉጥ ደራፋይ ክገብሮ ዘለዎ እንታይ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ኸሎ ፡ተፈላጥነት ረኺበ ኢልካ ዘይምዝናይ፡ እንተዘይኮነ ድሕሬኻ ዝመጸ ቆልዓ ከውድቐካ ይኽእል`ዩ ይብል።
ካብ`ዛ ሳልሰይቲ ኣልቡሙ፡ ዝያዳ ዝፈትወን ደርፍታት፡ ወቓሕ ኢልክኒ፡ ሓንቅቕለይ፡ ከምኡ`ውን በይነይ ዝብላ ምዃነን ቆርጫጭ ይጠቅስ።
ምስ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ተወልደ ወልደገብሬል ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ናብ ክፍሊ ትግርኛ እተዉ ወይ ኣብ ላዕላዋይ የማን ዘሎ ምልክት ድምጺ ጠውቑ።