ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፅጉማት ኣረጋውያን ዝሕግዝ ትካል ኣብ ትግራይ ቆይማ


ኮለኔል ሳባ ካሳ
ኮለኔል ሳባ ካሳ

65 ዓበይቲ ክንክን ይረኽቡ'ለው

ብሽም ርእሰደብሪ ተካ ኣብ ትግራይ ዝተመስረተ ማሕበር ምክንካንን ምትሕግጋዝን ኣረጋውያን ን65 ፅጉማት ወለዲ ይሕግዝ’ሎ። መስራቲትን መራሕትን እቲ ማሕበር ኮነለል ሳባ ተካ ንወላዲ ኣቡአን መተስከሪ ዝተሃሰበ ገንዘብ መበገሲ ብምግባር እቲ ማሕበር ከም ዝተመስረተ ይገልጻ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ተምበን ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝርከባ ኣደታት ስዋኣትን ካልኦት ፅጉማት ኣደታትን ኣብ ምፍታል ውሕልናን ኣብ ምርባሕ ንህቢ ተዋፊረን ኣለዋ።

“ብዙሕ ሰሪሕና ኢልና ንጃሃረሉ ኣይኮነን ስለምንታይ መበገሲና እተን ናይ ተስካር ገንዘብ እየን። ብድሕሪኡ ኣነ ብወገነይ ዝወሰድኩዎ ስጉምቲ ቅድሚ ኩሉ ክሳብ ናይ ሂወተይ መወዳእታ ነጻ ግልጋሎት ክህብ ወሲነ'ለኹ።ንመንግስቲ ሓቲተ ድማ ካብ ምኒስትር ምክልካል ሃገር ተሰናቢተ ኣለኩ። ካልኣይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ገዛይ ሻይጠ ነቲ ማሕበር መንቀሳቀሲ ገይረዮ ኣለኩ” ይብላ ኮነሬል ሳባ።

ኣብ ትግራይ ኣብ'ዚ እዋን ንኣረጋውያን ዝሕግዝ ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዘየለ እውን ገሊጸን ኣለዋ ኮሎሬል ሳባ።

XS
SM
MD
LG