ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዛላምበሳ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክኽፈት እዩ


Welcoming
Welcoming

ተወለድቲ ዛላምበሳን ከባቢኣን ኣብታ ከተማ ካልኣይ ብርኪ ንክኽፈት ኣብ ፃዕሪ ይርከቡ፡፡

ተወለድቲ ዛላምበሳን ከባቢኣን ኣብታ ከተማ ካልኣይ ብርኪ ንክኽፈት ኣብ ፃዕሪ ይርከቡ፡፡

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝተዋፈሩ ተወለድትን ደገፍትን ዛላምበሳ: ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ዝኣተወሎም መፅባዓ 100,000 ብር ሓዊሱ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ገንዘብ ከምዘተኣኻኸቡ ነቲ ኣብ መቐለ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ዘተሓባብሩ ኣይተ ምሩፅ ደስታ ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም፡፡

እቶም ተወለድቲ በቲ ዝተዋህለለ ገንዘብ ዝዓደግዎ ዝተፈላለዩ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ዛላምበሳ ተረኺቦም ንምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርቲ ኣረኪቦም፡፡ ህዝቢ ድማ ብድምቀት ተቐቢልዎም፡፡

ነባሪ ከተማ ዛላምበሳ ባላምበራስ ረዳ ኣድሓኖም እቶም ተወለድቲ ንዝገበርዎ ሓገዝ ንኢዶም ነበርቲ እታ ከተማ እውን ክንተሓባበር ኣለና ኢሎም፡፡

ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ነጋ በርሀ ዳግመ ህንፀት ዛላምበሳ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ስለዝምልከት ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃኢን ዓዲ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ክተሓባበር ፀዊዖም፡፡

XS
SM
MD
LG