ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዓዛቢት መረፃ ዝነበራ ባዓልቲ-ቤት ኣባል መኢኣድ ተቂቲለን


ተዓዛቢት መረፃ ዝነበራ ባዓልቲ-ቤት ኣባል መኢኣድ ተቂቲለን

ኣባል መኢኣድ፣በዓልቲ-ቤቱ ተዓዛቢ መረፃ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብጠንቂ ዝተዛረበቶ ተቀቲላ ክብል እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ።እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኦብኮ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ምንክልባት ቀፂሉ ከምዘሎ ገሊፁ።ኣሉላ ከበደ ንዘዳለዎ ሪፖርት በትረ ስልጣን ተርጒምዎ‘ሎ፥

መኢኣድ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣በዓልቲ ቤት ናይ‘ቲ ኣብ ክልል ደቡብ ናይ ሓደ ዞባ ኣካቢን ሕፁይ ተወዳዳሪን ዝነበረ ውልቀ-ሰብ፣ዝሓለፈ ሰንበት ብዕጡቃት መንግስቲ ተቀቲላ፣ምስኣ ዝነበሩ ክልተ ደቃ ቆሲሎም ናብ ሕክምና ከምዝተወሰዱ ኣፍሊጡ።

ዋና ፀሓፊ‘ቲ ፓርቲ ኣቶ ማሙሸት ኣማረ “ወ/ሮ ኣማረች ገላኔ፣ነባሪት ደሳለች‘የን ነይረን።ኣብ’ቲ ከባቢ ድማ ተዓዛቢት ናይ ህዝቢ ኮይነን ኣገልጊለን‘የን።ከይዲ‘ቲ ምርጫ ትኽኽል ኣይኮነን፣እቲ ምርጫ ምድንጋር ይፍፀመሉ‘ሎ ስለዚ ክእርምዎ እንተኺኢሎም ኢለን ንኮማንደር ፖሊስ ገሊፀን ነይረን።ከም‘ቲ ዝዝረብ እቶም ኮማንደር፣ንስኺ ኣይምልከተክን፣ዕረፊ ኢሎም ኣፈራሪሖምወን‘ዩ ይባሃል።እቲ ምርጫ ካብ ዝካየድ ድሕሪ ክልተ ሰሙን፣ዋርድያ‘ቶም ኮማንደር ናብ መንበሪኤን ኣትዩ ምስ ክልተ ደቀን ኮይነን ቡን እናፍላሓ ከለዋ፣ብጥይት ከምዝቀተለን፣ደቀን ኣዴና እንተበሉ ድማ፣ነቲ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኡ ኣብ ክልቲኡ እግሩ ክውቃዕ ከሎ፣እታ ሓፍቱ ድማ ኣብ ዝባና ብጥይት ተወቂዓ እቲ ጥይት ካብ ነብሳ ወፂኡ‘ዩ ዝብል ሓበሬታ በፂሑና‘ሎ” ይብል።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ምንክልባትን መጥቃዕቲን ይፍፀንም ምህላው፣ኣቦ-መንበር ኮንግረስ ህዝቢ ኦሮሞ ዶ/ር መራራ ጉድና ገሊፆም።

ንሶም ንቪኦኤ ክዛረቡ ከለው ”ካብ ድሮ’ቲ ምርጫ ኣትሒዙ፣ዝመደብናዮም ኣሻሓት ተዓዘብቲና ይንከላበቱን ይእሰሩን‘ዮም ፀኒሖም።ንኣብነት ኣብ ኦሮምያ ክሳብ ፯ ሽሕ ተዓዘብቲና ስርሖም ኣብ እዋን መረፃ ንከይፍፅሙ ተከልኪሎም‘ዮም።ገሊኦም ድማ ንሰዓታት ተኣሲሮም‘ዮም።ኣብ‘ዚ እዋን ግና ኣስታት ሓምሳ ኣባላትና ተኣሲሮም‘ለው።ክሳብ ፪ ሚእቲ ድማ ብዋሕስ ተፈቲሖም‘ዮም”ኢሎም።

ዶ/ር መራራ ምስ ትካል ዜና ብሉምበርግ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ ”ካብ‘ቶም ተኣሲሮም ዝቀነዩ ኣባላቶም መብዛሕተኦም ተፈቲሖም‘ዮም፣ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ኣባላትና ዝወርድ ዘሎ ፀቅጢ ኣየቋረፀን” ኢሎም።

ካብ ሓላፊ ፖሊስ ኦሞ ሪኢቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰመረን።ፃዕሪና ቀፃላይ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG