ዩ-ስ ምስ‘ታ ትትግብሮ ዘላ ዴሞክራስያዊ መስርሕ ንምዕቃብ ትቃለስ ዘላ ኢትዮዽያ ዝመስረተቶ ርክብ፣ኣፀጋሚ ግን ኣዝዩ ጠቃሚ ኮይኑዋ ከምዘሎ ተንተንቲ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ይገልፁ።መሳርሕትና ኒኮ ኮሎምባንት ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዘዳለዎ ሪፖርት በትረ ስልጣን ተርጙምዎ‘ሎ፥
ኣብ ዩ-ስ ዝነብሩ ተሓለቅቲ ዴሞክራሲ፣ኣብ‘ቲ መራሕቲ ተቃወምቲ ኣበርቲዖም ዝተንቀሳቀሱሉን ህዝባዊ ደገፍ ዝረኸቡሉን ናይ ቅድሚ 5 ዓመት መረፃ ኢትዮጵያ፣ዴሞክራሲያዊ ሃዋሁ ክማሓየሽ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ነይሩዎም።
ውፅኢት መረፃ ምስ ተገለፀ ግና፣ገዛኢ ፓርቲ ከምዝተዓወተ ተገለፀ።መራሕቲ ተቃወምቲ ስለዘማረሩ ግና፣ኣብ ዓበይቲ ከተማታታት ዝርከቡ ደገፍቲ ተቃወምቲ ናብ ጎደናታት ወሓዙ።ኣብ‘ቲ ዝሳዓበ ህውከት፣ኣስታት 5 ሚእቲ ሰባት ተቀቲሎም፣መራሕቲ ተቃወምቲ ድማ ተኣሲሮም።
ሎሚ ድሕሪ 5 ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ይብሉ ተዓዘብቲ፣ገዛኢ ፓርቲ ንሚድያ ብሒትዎ‘ሎ፣ንብደርዘን ዝቁፀሩ መራሕቲ ተቃወምቲን ጋዜጠኛታትን ኣሲሩ‘ሎ፣ናፃ ተዓዘብቲ መረፃ ድማ የለውን ይብሉ።
ካብ ኣባላት ኮንግረስ‘ውን ብርቱዕ ነቀፌታ ይስማዕ‘ሎ።መንግስቲ ኢትዮዽያ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ምልካዊ እናኾነ ይመፅእ‘ሎ ባሃልቲ‘ዮም ኣባላት‘ቲ ቤት ምኽሪ፣።
ኣብ ኮሌጅ ኦብሪን መምህር ፖሊሲ ወፃኢ ዝኾነት ኢቭ ሳንድበርግ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ኣምባሳደር ዩ-ስ ኣብ ኢትዮዽያ ኮይኖም ዝተመዘዙ ዶናልድ ቡዝ፣ ኩነታት ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮዽያ ንክማሓየሽ ክሰርሕ‘የ ከምዝበሉ ተዘኻኽር።ኣስዒባ-ኢትዮዽያውያን፣ ከምዚ ዝበለ ዘረባታት ኣምባሳደራት ዩ-ስ ሰሚዖም‘ዮም።እቲ ሕቶ ግና፣ሚስተር ቡዝ ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ሰብኣዊ መሰላት ንከማሓይሽ ናብ ስራሕ ክደፍእዎ ድዮም ዝብል‘ዩ ትብል።
ኣብ ኢትዮዽያ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ኮይና ዝሰርሐት ኢቭ ሳንድበርግ፣ንዩ-ስ ኣዝያ ጠቃሚት ናይ ፀጥታ መሻርኽታ ስለዝኾነት ኣብ ልዕሊ ኢትዮዽያ ክንደየናይ ፀቅጢ ምፍጣር ይካኣል ኣብ ዝብል ሕቶ ገለ ምድንጋር ኣለዋ ትብላ ንዩ-ስ።ብካልእ ወገን፣ሰራዊት ኢትዮዽያ፣ኣብ ምቋም እቲ ብዓይኒ ዩ-ስ ተመራፃይ ዝኾነ መንግስቲ ሶማልያ ኣገዳሲ ግደ ዝነበሮ‘ዩ።እቲ ካልኣይ መማረፂ እቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ምእትስሳር ዘለዎ ጉጅለ‘ዩ።ብዘይካ‘ዚ ኢትዮዽያ ኣገዳሲት መሻርኽቲ ዝኾነትሉ ካልእ ምኽንያት፣ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ይምዕብል ከምዘሎ ክንፈልጠሉ ንኽእለሉ መንገዲ ንመሓውር ስለላ ኢትዮዽያ ተጠቂምካ ስለዝኾነ’ዩ።ንሕና ንደልያ ምኻና ድማ ኢትዮዽያ ትፈልጥ‘ያ ትብላ።
ኣብ ኤምባሲ ዩ-ስ፣ሓላፊ ልእኽቶ ኢትዮዽያ ዝነበረ ቶማስ ሁል፣ምስ‘ዚ ኢቭ ሳንድበርግ ዝሃበቶ ገምጋም ይሰማማዕ።
ኢትዮዽያ ኣብ ቁልፊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ዞባ‘ያ ትርከብ፣ከምኡውን ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከበላ ሃገር‘ያ።ስለዚ እዞም ዝተጠቅሱ ረቋሒታት ተደማሚሮም፣ዩ-ስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮዽያ ካብ ሞራላዊ ፀቅጢ ሰጊራ፣ምምሕያሽ ንክትገብር ክትደፍኣ ኣዝዩ ኣፀጋሚ‘ዩ ዝብል ገምጋም ኣለዎ።
ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ኮሌጅ ሲመንስ የምህር ዘሎ ሚስተር ሁል፣ኣብ ኣፍሪቃ ይኽሰት ዘሎ ቅድድም ንረብሓ፣መንግስቲ ዩ-ስ ተወሳኺ ፀቅጢ ንዘይምፍጣር ካልእ ዕንቅፋት ይኾኖ‘ሎ ከምዘሎ ኣይከወለን፣
ብመንፅር መጠን‘ውን እንተሪኢኻዮ፣ንግዳዊ ርክባትና ገዚፍ ኣይኮነን።ምስ‘ቲ ቻይናዊያን፣ህንዳውያንን ስዑዳውያንን ኣብ ኢትዮዽያ ዝገብርዎ ዘለው ዝመጣጠን‘ውን ኣይኮነን።ንኢትዮዽያ ንልግሶ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ ኣብ ዘፈር መግቢ፣HIV/AIDSን ዝኣምሰሉን ዝተሓፀረ‘ዩ ይብል ሁል።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂኦርጅ ሜይሰን ዘምህር ቴረንስ ላይንስ ብወገኑ፣ምምሕዳር ኦባማ፣ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ይስዕቦ ዝነበረ ርክብ ንምቅያር ይፍትን ከምዘሎ‘ዩ ዝዛረብ፥
ሕሉፍ ምምሕዳር፣ርክብ ዩ-ስን ኢትዮዽያ ዝቃነይ ዝነበረ ብመንፅር ፀጥታዊ ስግኣትን ውግእ ፀረ-ፈጠራ ራዕድን‘ዩ ነይሩ።ኣብ‘ዚ እዋን ግና፣ከምዝመስለኒ፣ እዚ ምምሕዳር‘ዚ፣ነቲ ርክብ ከማዓራርይን፣ፀጥታዊ ስግኣት ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፣ዝላዓለ ቆላሕታ ግና ኣብ ዴሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ነጥብታትን ንከማእክል ይሰርሕ‘ዩ ዘሎ ይብል ላይንስ።
ቅድሚ ዕስራ ዓመታት፣ኣብ ምንስቴር ወፃኢ ዩ-ስ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሀርማን ኮሀን፣ሓደስቲ መራሕቲ ኢትዮዽያ፣ኣብ ውሽጢ ሃዋሁ ኣልቦ ዴሞክራሲ ኮይኖም፣ንዓለም-ለኻዊ ሓገዝ ክፅበዩ የብሎምን ይብሉ።
ኪኢላታት ብሓፈሽኡ፣ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ሎሚ‘ውን እንተኾነ፣ዩ-ስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓደ ጊዜ ንዴሞክራሲን ንምርግጋእን ከመይ ገይራ ማዕረ ክትሰርሓሎም ከምትኽእል ኣይበርሀላን ዘሎ ይብሉ።
ዩ-ስ ኣዝያ ጠቃሚት ናይ ፀጥታ መሻርኽታ ስለዝኾነት ኣብ ልዕሊ ኢትዮዽያ ክንደየናይ ፀቅጢ ምፍጣር ይካኣል ኣብ ዝብል ሕቶ ገለ ምድንጋር ኣለዋ